እቲ ማእኸል ክብሪ፣ባህልን ሓድግን ፀለምቲ ህዝብታት ንምሕላው ዝጀመሮም ፃዕርታት ኣጠናኺሩ ክቕፅለሉ ይግባእ

ኣዲስ ኣበባ/ለካቲት 21/2018(ኢዜኣ) ዓለም ለኸ ማእኸል ፀለምቲ ህዝብታት ክብሪ፣ባህልን ሓድግን ፀለምቲ ህዝብታት ንምሕላው ዝጀመሮም ፃዕርታት ኣጠናኺሩ ክቕፅለሉ ከም ዝግባእ ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀሥላሴ ገሊፆም።
ዓለም ለኸ ማእኸል ፀለምቲ ህዝብታት ዓመታዊ ጉባኤ ቤት ምኽሪ የካይድ ኣሎ።
ኣብቲ ጉባኤ፤ ኣምባሳደራት ዝተፈላለያ ሃገራት፣ ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ፣ ሙሁራንን ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ተረኺቦም።



ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀሥላሴ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ኢትዮጵያ ምንቅስቓስ ፓን ኣፍሪካኒዝም ሓዊሱ ንቃልሲ ፀለምቲ ህዝብታት መብሰሪ እጃም እናበርከተት ፀኒሓ እያ። 
ነዚ ድማ ምኽንያት ቃልሲ ነፃነት ፀለምቲ ህዝብታት ዝኾነ ዓወት ዓድዋ ኣብነት እዩ ኢሎም።

ዓለም ለኸ ማእኸል ፀለምቲ ህዝብታት ዋና መቐመጢኡ ኣብ ኢትዮጵያ ምዃኑ ኢትዮጵያ ንቃልሲ መሰል ፀለምቲ ህዝብታት ዘለዋ ቆራፅነት ዘርኢ ከምዝኾነ እውን ተዛሪቦም።



እቲ ማእኸል ክብሪ፣ባህልን ሓድግን ፀለምቲ ህዝብታት ንምሕላው ዝጀመሮም ፃዕርታት ኣጠናኺሩ ክቕፅለሉ ከም ዝግባእ ኣረዲኦም። 
መንግሥቲ ኢትዮጵያ እቲ ማእኸል ዝተጣየሸሉ ዕላማ ንክዕወት ኣድላይ ደገፍ ከም ዝገብር እውን ኣረጋጊፆም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም