ቁልፊ ዓወት ሰላም ኣዲስ ኣበባ ነቲ ህዝቢ በዓል ዋናን ተሳታፍን ሰላም ስለዝገበርናዮ እዩ-ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ

ኣዲስ ኣበባ/ለካቲት 20/2018(ኢዜኣ) ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዘሎ ዘተኣማምን ሰላም ቀንዲ ፍልፍሉ ነቲ ህዝቢ በዓል ዋናን ተሳታፍን ሰላም ንክኸውን ስለዝተገበረ እዩ ክብላ ከንቲባ ምምሕዳር እቲ ከተማ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን።
መበል 8ይ ሃገራዊ ሓባራዊ መድረኽ ምኽክር ሰላምን ፀጥታን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣሎ።
እቲ ሚኒስቴር ሰላምን ቢሮ ምምሕዳር ሰላምን ፀጥታን ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባን ብሓባር ዘዳለውዎ መድረኽ፤ “ሰላማዊ ፖለቲካ ንሃገራዊ ብልፅግና” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ እዩ ዝካየድ ዘሎ።



ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብዚ እዋን ኣብ ዘመሓላለፍኦ መልእኽቲ ከምዝበልኦ፤ ሰላም ተረባሕነት ልምዓት ህዝቢ ንምርግጋፅ ቀንድን መሰረታውን ጉዳይ እዩ።
ዘላቕነት ኣብታ ከተማ ዘሎ ዘተኣማምን ሰላም ንምርግጋፅ ነቲ ህዝቢ በዓል ዋና ሰላም ዝገብሩ ስራሕቲ ብትኹረት እናተሳለጡ እዮም ኢለን።
ፅባሕ ዝሓሸ ንምግባር ሎሚ ምስራሕ ይግባእ ዝበላ እተን ከንቲባ፤ ነዚ ድማ ዘተኣማምን ሰላም ምርግጋፅ ወሳኒ ከም ዝኾነ ተዛሪበን።



ሰላምን ልምዓትን ዘይነፃፀሉ ከም ዝኾኑ ብምሕባር፤ ክልቲኦም ብምርግጋፅ ተረባሕነት ህዝቢ ምዕባይ ትኹረት መንግሥቲ እዩ ኢለን።
እቲ መድረኽ ምኽክር ሰላም ዘላቒ ምግባር ኣብ ዘኽእሉ ጉዳያት ብሰፊሑ ንምዝታይ ምችው ኩነታት ከም ዝፈጠረ እውን ኣብሪሀን።
መበል 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ብዓወት ንክዛዘም ካብ ብሕዚኡ ዝተዋደደ ስራሕ ምስራሕ ከም ዝግባእ እተን ከንቲባ ገሊፀን።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም