ዓወት ዓድዋ እዚ ወለዶ ብልፅግና ሃገር ንምርግጋፅ ንዝገብሮ ፃዕሪ ስነ ልቦና ሰዓራይነት ንክህልዎ መሰረት ዘንብር እዩ - ኢዜአ ትግርኛ
ዓወት ዓድዋ እዚ ወለዶ ብልፅግና ሃገር ንምርግጋፅ ንዝገብሮ ፃዕሪ ስነ ልቦና ሰዓራይነት ንክህልዎ መሰረት ዘንብር እዩ
ደሴ/ለካቲት 20/2018(ኢዜኣ) ዓወት ዓድዋ ብኣዕፅምትን ደምን ዝተፅሓፈ ታሪኽ ትማሊ ጥራሕ ዘይኮነስ እዚ ናይ ሎሚ ወለዶ ሃገር ንምብልፃግ ንዝጥቀመሉ ስነ ልቦና ሰዓራይነት መሰረት ከምዝኾነ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ወሎ ዝሰርሑ ሙሁራን ገሊፆም።
ርኢቶኦም ንኢዜኣ ዝሃቡ ሙሁራን ዩኒቨርሲቲ ወሎ፤ እዚ ናይ ሕዚ ወለዶ ኣያታቱ ብኣዕፅምትን ደምን ዘፅንሕዋ ሃገር ፍልጠትን ቴክኖሎጅን እዚ ዘበን ተዓጢቑ ድኽነት ኣብ ምሽናፍ ክደግሞ ይግባእ ኢሎም።
መምህርን ተመራማርን ታሪኽ እቲ ዩኒቨርሲቲ ጋሻው መሐመድ(ዶ/ር)፤ ዓወት ዓድዋ ንኢትዮጵያውያን ጥራሕ ዘይኮነስ ንመላእ ፀለምቲ ህዝብታት መብሰሪ ነፃነትን ስነ ልቦና ይከኣል እዩ ዝፈጠረን ታሪኻዊ ፍፃመ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
እዚ ናይ ሕዚ ወለዶ ካብ ዓወት ዓድዋ ትምህርቲ ክወስድ ከም ዘለዎ ብምሕባር፤ ኣብ ስራሕቲ ልምዓት ብምስታፍ፣ሓድነት ሃገር ብፅኑዕ ብምሕላውን ዘላቒ ሰላም ኣብ ምርግጋፅን ናይ ባዕሉ ታሪኽ ክሰርሕ ከምዝግባእ ሓቢሮም።
ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ዝረአ ዘሎ ቅልጡፍ ዕቤት ንኩለ መዳያዊ ብልፅግና እታ ሃገር መሰረት እናንበረን ትኹረት ዓለም እናሰሓበን ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ እዚ ጉዕዞ ተጠናኺሩ ክቕፅል ይግባእ ኢሎም።
ካሊእ መምህርን ተመራማርን ታሪኽ እቲ ዩኒቨርሲቲ ኣሰፋ ባልቻ(ዶ/ር) ብግደኦም፤ ቀንዲ ሚስጥር ዓወት ዓድዋ ሓድነት ከምዝኾነ ፀሪሖም።
ዘበናዊ መሳርሒ ኵናት ዝተዓጠቐ ወራሪ ሓይሊ ዘሸነፈ ሕቡር ቅልፅምን ጥንካረን ኢትዮጵያውያን ከም ዝኾነ እውን ኣረዲኦም።
እቲ መንእሰይ ዘኹርዕ ታሪኽ ወለዱ ፈሊጡን ኣኽቢሩን ዘበናዊ ፍልጠትን ቴክኖሎጅን ብምዕጣቕ ናይ ባዕሉ ታሪኽ ክሰርሕን ህልውና ሃገር ከቐፅልን ከምዝግባእ ገሊፆም።
ዓወት ዓድዋ ብኣዕፅምትን ደምን ዝተፅሓፈ ታሪኽ ትማሊ ጥራሕ ዘይኮነስ እዚ ናይ ሎሚ ወለዶ ሃገር ንምብልፃግ ንዝጥቀመሉ ስነ ልቦና ሰዓራይነት መሰረት ከምዝኾነ እውን ኣብራህሪሆም።
መበል 130 ዓወት ዓድዋ “ካብ ዘኹርዕ ታሪኽ ናብ ብሩህ ኣድማስ” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ብብርኪ ሃገር ብዝተፈላለዩ ምድላዋት ክኽበር እዩ።