ኣብ ዓውዲ ቱሪዝም ተረባሕነትን ተወዳዳሪነትን ንምርግጋፅ ብዝተሳለጡ ስራሕቲ ውፅኢት ተመዝጊቡ እዩ

ኣርባ ምንጭ/ለካቲት 19/2018(ኢዜኣ) ኢኮኖሚያዊ ተረባሕነትን ተወዳዳሪነትን ዓውዲ ቱሪዝም ንምርግጋፅ ብዝተሳለጡ ስራሕቲ ውፅኢት ከምዝተመዝገበ ሚኒስትር ቱሪዝም ሰላማዊት ካሳ ገሊፀን።
ሚኒስቴር ቱሪዝም መድረኽ ግምገማ ኣፈፃፅማ ትልሚ ፈላማይ ፍርቂ ዓመት በጀት ዓመት 2018 ኣብ ከተማ ኣርባ ምንጭ የካይድ ኣሎ።



ሚኒስትር ቱሪዝም ሰላማዊት ካሳ ኣብዚ እዋን ከምዝበልኦ፤ ዓውዲ ቱሪዝም ንዕዉትነት ትልሚ ልምዓት 10 ዓመት እታ ሃገር ወሳኒ ብፅሒት ስለዘለዎ እቲ ሚኒስቴር ትልሚ ማእኸላይ ዘበን ሓንፂፁ እናሰርሐ እዩ ዝርከብ።
ብቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ዝተጀመሩ ፕሮጀክትታት ገበታ ንሃገርን ንወለዶን እውን ብሓደሽቲ ኣረኣእያታት ኣብቲ ዓውዲ ሓዱሽ ምዕራፍ ዝኸፈቱ እዮም ኢለን።
ከም ሃገር ኢኮኖሚያዊ ተረባሕነትን ተወዳዳሪነትን ዓውዲ ቱሪዝም ንምዕባይ ሓደሽቲ መባፅሕታት ቱሪዝም ብምልማዕን እቶም ነባራት እውን ብምጥንኻርን ንጎብነይቲ ክፍቲ ከምዝተገበረን ውፅኢት ከምዝተረኸበሉን እውን ተዛሪበን።
ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ኣብ 2025 ኣብ ዓውዲ ቱሪዝም 15 ሚኢታዊ ዕቤት ከምዝተመዝገበ ብምግላፅ፤ ነዚ ድማ እጃም መራኸብቲ ሓፋሽ፣ዓውዲ ውልቀ፣መሓዙት ልምዓትን ካልኦትን ዝለዓለ ከምዝነበረ ኣረዲአን።
ኣብቶም ዝተረፉ ኣዋርሕ እውን በቢ ብርኩ ዘለዉ ትካላት ብዲጂታል ቴክኖሎጂ ንምጥንኻር፣ብቑዓት ኣመራርሓን ሰብ ሞያን ንምፍጣርን ቅልጡፍ ኣገልግሎት ንምሃብን ብትኩረት ክስራሕ እዩ ኢለን።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም