ንብሄራዊ ረብሓ ጠጠው ምባል ንዘበናት ዝፀንሐ ውፅኢት ፍቕሪ ሃገርን ሓባራውነትን እዩ - ኢዜአ ትግርኛ
ንብሄራዊ ረብሓ ጠጠው ምባል ንዘበናት ዝፀንሐ ውፅኢት ፍቕሪ ሃገርን ሓባራውነትን እዩ
ኣዲስ ኣበባ/ለካቲት/19/ 2018 (ኢዜኣ) ንብሄራዊ ረብሓ ጠጠው ምባል ንዘበናት ዝፀንሐ ውፅኢት ፍቕሪ ሃገርን ሓባራውነትን እዩ ክብላ ሓላፊት ቢሮ ምምሕዳር ሰላምን ፀጥታን ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ሊድያ ግርማ ገሊፀን።
እቲ ቢሮ ንዝኽሪ መበል 130 ዓመት ዓወት ዓድዋ "ካብ ዘኹርዕ ታሪኽ ናብ ብሩህ ኣድማስ" ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ዘተ ኣሳሊጡ፡፡
ወ/ሮ ሊድያ ግርማ ኣብቲ እዋን ከምዝበልኦ፤ ዓወት ዓድዋ ንዕጫ ሃገርና ዝቕይርን ሓድነታ ዝፀንዐን ዝበልፀገትን ኢትዮጵያ ጋህዲ ንምግባር ዘለዓዕልን እዩ።
ምዝዛም ዓብይ ግድብ ሕዳሰ እውን ህያው መርኣያ ዳግማዊ ዓድዋ ከምዝኾነን ንካልኦት ኩለመዳያዊ ዓወታት ምልዕዓል ከም ዝፈጥርን ተዛሪበን ።
ናይ ሎሚ ዘመን በዓል ዓወት ዓድዋ ብዋናነት ብመንፈስ ይከኣል እዩ ውፂኢታትናን ሰናይ ምስልታትናን ንዓለም እነርእየሉ፣ኣብ ልዕሊ ጎቦታት ጉባን ቓላይ ንጋትን ብስራት ብልፅግና ዝኣወጅናሉን መበል 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ዝሳለጠሉን እዋን ምዃኑ ፉሉይ ይገብሮ ክብላ እውን ኣረዲአን።
ኣብ እዋን እቲ ዘተ "ሓድነት ሕድሪ ዓድዋ፣ሉዓላዊነትን ምንስርራእን!"ብዝብል ርእሲ መመያየጢ ሰነድ ቀሪቡ ዘተ ከምዝተኻየደሉ ቤት ፅሕፈት ከንቲባ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ ።