ኣብ ኢትዮጵያ ዝተጀመረ ሰብ ኣልቦ ኣገልግሎት ፖሊስ ፍፃመታት ብዓወት ምስላጥ ዘኽእል ዓቕሚ ፈጢሩ እዩ

ኣዲስ ኣበባ/ለካቲት 19/2018(ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ኣብ ኣፍሪካ ፈላማይ ሰብ ኣልቦ(smart) ኣገልግሎት ፖሊስ ብምጅማር ዓለም ለኻውን ኣህጉራውን ፍጻመታት ብዓወት ናይ ምትእንጋድ ዓቕሚ ከምዝፈጠረት ኣዘዚ ፖሊስ ፌዴራል ኮሚሽነር ጄኔራል ደመላሽ ገብረሚካኤል ገሊፆም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ፈላማይ ሰሙን እዚ ወርሒ ዜጋታት ኣገልግሎት ፖሊስ ብቴክኖሎጂ ብዝሓሸ ቅልጣፈ ዝረኽብሉ ሰብ ኣልቦ ኣገልግሎት ፖሊስ ከምዘጀመሩ ዝፍለጥ እዩ።
ኣዘዚ ፖሊስ ፌዴራል ኮሚሽነር ጄኔራል ደመላሽ ገብረሚካኤል ንኢዜኣ ከምዝበልዎ፤ ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ ብዘበናዊ መልክዑ ካብ ዝጣየሽ 117 ዓመታት ዘቑፀረ ኣብ ኣፍሪካ ነዊሕ ዕድመ ዘቑፀረ ትካል እዩ።
ድሕሪ እቲ ለውጢ ዝተገበረ ሪፎርም ብዝሰልጠነን ብቑዕን ሓይሊ ሰብ ዝተማልአ፣እቲ ዘበን ዘፍረዮም ቴክኖሎጂታት ዝተዓጠቐን ብናይ ሎጂስቲክስ ዓቕሙ እውን ዝጠንከረን ትካል ምፍጣር ተኻኢሉ እዩ ኢሎም።
ኣብ ዓለም ዝሓሸ ኣፈፃፅማ ኣገልግሎት ፖሊስ ካብ ዘለወን ሃገራት ኣብ ቅድሚት ንምስላፍ ሪፎርም ከምዝተገበረ ብምግላፅ፤ ብዝተፈላለዩ ዓውድታት ክሳብ ሳልሳይ ዲግሪ/ፒ ኤች ዲ/ ዘምህሩ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ከምዝሃነፀ ተዛሪቦም።
ስለዝኾነ ድማ ክሳብ ሕዚ ብዝነበሩ ዓበይቲ ልኡኽቶታት ፖሊስ ጭቡጥ ውፅኢታት ብምምዝጋብ ዕቤቱ ኣርእዩ እዩ ኢሎም።
ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪካ ኣብ ልኡኽቶ ምኽባር ሰላም ብምውፋር ተፈላጥነት ዘትረፈ ዓወት ብምምዝጋብ ንሰላምን ድሕንነትን ዓለም እጃማ እናተዋፅአት ከምዝኾነት እውን ኣረዲኦም።
እቲ ዝተጀመረ ሰብ ኣልቦ ኣገልግሎት ፖሊስ ዜጋታት ወፃእን ውሽጢ ሃገርን ብቴክኖሎጂ ዝተደገፈ ኣገልግሎት ፖሊስ ንክረኽቡ ከምዘኽእልን ድሕንነትን ምስጢራውነትን ሓበሬታ ተጠቀምቲ ንምሕላው ዝለዓለ ቴክኖሎጂ ከምዝጥቀምን ገሊፆም።
ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ ዝፈጠሮ ብቑዕ ሓይሊ ሰብ፣ዝተዓጠቖ ዘበናዊ ቴክኖሎጅን ዝተማልአ ሎጂስቲክስን ዓለም ለኸን ኣህጉራውን ፍፃመታት ብዓወት ንምዝዛም ዕድል ፈጢሩ እዩ ኢሎም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም