ኢትዮጵያ ብሓምለዋይ ልምዓትን ተሓዳሲ ሓይልን ንዓለም መርኣያ ዓወት ኮይና እያ-ኣምባሳደር ሮማኒያ - ኢዜአ ትግርኛ
ኢትዮጵያ ብሓምለዋይ ልምዓትን ተሓዳሲ ሓይልን ንዓለም መርኣያ ዓወት ኮይና እያ-ኣምባሳደር ሮማኒያ
ኣዲስ ኣበባ/ለካቲት 18/2018(ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ብሓምለዋይ ልምዓትን ተሓዳሲ ሓይልን ንዓለም መርኣያ ዓወት ኮይና እያ ክብላ ኣምባሳደር ሮማኒያ ኣብ ኢትዮጵያ ጁሊያ ፓታኪ ገሊፀን።
ኢትዮጵያ ብተበግሶ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ተግባራዊ ብዝገበረቶ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ልዕሊ 48 ቢልዮን ፈልስታት ክትተክል ክኢላ እያ።
ኣምባሳደር ሮማኒያ ኣብ ኢትዮጵያ ጁሊያ ፓታኪ ምስ ኢዜኣ ኣብ ዝነበረን ፃንሒት ከምዝበልኦ፤ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ምጥንኻር ዘኽእሉ ስራሕቲ እናተሳለጡ እዮም።
ስለዝኾነ ድማ ሮማኒያ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ናብ ልምዓት ንምዕባይ እናሰርሐት ከምዝኾነት ተዛሪበን።
ዓወታት ሓምለዋይ ኣሰር ኢትዮጵያ እታ ሃገር ኣብ ዓለም ኣፍልጦ ንክትረክብ እናኽአላ ከምዝኾነ ሓቢረን።
እዚ ድማ ዝነኣድ ስራሕ ሓለዋ ከባቢ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ሓበሬታታት እናስፋሕፈሐ እዩ ኢለን።
ዓወታት ኢትዮጵያ ተግባራዊ ትገብሮ ዘላ ሓምለዋይ ኣሰር እታ ሃገር ኣብ ሓምለዋይ ልምዓትን ስራሕቲ ተሓዳሲ ሓይልን ንካልኦት ሃገራት መርኣያ ንክትኸውን ከምዘኽኣለ ገሊፀን።
ኢትዮጵያ ኣብ ጎደና ልምዓት ከምዝኾነት ብምሕባር፤ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ካብ ቀረባ እዋን ናብዚ ዝምዝገቡ ዘለዉ ውፅኢታት ልምዓት ዝነኣዱ ከምዝኾኑ ወሲኸን ኣብሪሀን።
ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ እውን ዓብይ ኢኮኖሚያዊ ረብሓ ዘለዎ ኣብ ኣፍሪካ ፍሉይ ፕሮጀክት ከምዝኾነ ተዛሪበን።
እቲ ግድብ ነቲ ዞባ ብሓይሊ ኣብ ምትእስሳር እውን ርኡይ ፋይዳ ከምዘለዎ ሓቢረን።