ኣብ ዓውዲ ግብርና ለውጢ ንምምፃእ ካብ ዝሳለጡ ዘለዉ ስራሕቲ ዘለዉና ሃፍትታት ማይ ገፀ ምድርን ከርሰ ምድርን ንልምዓት መስኖ ምውዓል እቲ ቀንዲ እዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) - ኢዜአ ትግርኛ
ኣብ ዓውዲ ግብርና ለውጢ ንምምፃእ ካብ ዝሳለጡ ዘለዉ ስራሕቲ ዘለዉና ሃፍትታት ማይ ገፀ ምድርን ከርሰ ምድርን ንልምዓት መስኖ ምውዓል እቲ ቀንዲ እዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ/ለካቲት 15/2018 (ኢዜኣ) ኣብ ዓውዲ ግብርና ለውጢ ንምምፃእ ካብ ዝሳለጡ ዘለዉ ስራሕቲ ዘለዉና ሃፍትታት ማይ ገፀ ምድርን ከርሰ ምድርን ንልምዓት መስኖ ምውዓል እቲ ቀንዲ ከም ዝኾነ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ከምዝበልዎ፤ ኣብ ዓውዲ ግብርና ለውጢ ንምምፃእ ካብ ዝሳለጡ ዘለዉ ስራሕቲ ዘለዉና ሃፍትታት ማይ ገፀ ምድርን ከርሰ ምድርን ንልምዓት መስኖ ምውዓል እቲ ቀንዲ እዩ።
ቅድሚ ሕዚ ጥቕሚ ከይሃቡ ዝፀንሑ ብርክት ዝበሉ ቦታታት ኣብዚ ሕዚ እዋን ብመስኖ ናብ ማእኸልነት ልምዓት ግብርና እናተለወጡ ከምዝኾኑ እውን ኣረዲኦም።
ሩባ ብላቴ ዝርከበሉ ከባቢ ድማ ነዚ መርኣያ ዝኾነ ኣብነት እዩ ክብሉ ሓቢሮም።
ኣብቲ ከባቢ ሰብ ሃፍቲ ውልቀ ብምስታፍ ሰፋሕቲ ልምዓታት ፍራ ምረ እናተሳለጡ ከምዝርከቡ ብምግላፅ፤ እዚ ድማ ልኣላዊነት ምግቢ ንምርግጋፅ ዝግበር ፃዕሪ ኣዝዩ ዝድግፍ እዩ ኢሎም።