ዓወት ዓድዋ ኩለ መዳያዊ ልኣላዊነት ዝወነነት ኢትዮጵያ ናብ ወለዶ ንምትሕልላፍ ትምህርቲ ዝኸውን ዘኹርዕ ገድሊ እዩ - ኢዜአ ትግርኛ
ዓወት ዓድዋ ኩለ መዳያዊ ልኣላዊነት ዝወነነት ኢትዮጵያ ናብ ወለዶ ንምትሕልላፍ ትምህርቲ ዝኸውን ዘኹርዕ ገድሊ እዩ
ኣዲስ ኣበባ/ለካቲት 15/2018(ኢዜኣ) ዓወት ዓድዋ ኩለ መዳያዊ ልኣላዊነት ዝወነነት ኢትዮጵያ ናብ ወለዶ ንምትሕልላፍ ትምህርቲ ዝኸውን ዘኹርዕ ገድሊ ከምዝኾነ ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን።
ድሌት ባዕዳዊ መግዛእቲ ንምምካት ካብ ኣርባዕጺኡ ኣንፈት ዝወፈሩ ቀዳሞት ኣያታት ፍልፍል ነፃነትን ኩርዓትን ፀለምቲ ህዝብታት ዝኾነ ዓወት ዓድዋ ንምሕፋስ በቒዖም እዮም።
ኣብ 23 ለካቲት 1888 ዓ/ም ሕብረ ብሄራዊ ሓድነት ኢትዮጵያውያን ዝተረጋገፀሉ ብርሃን ነፃነት ጭቁናት ህዝብታት ዓለም ዓወት ዓድዋ በቢ ዓመቱ ይኽበር እዩ።
ቢሮ መናእሰይን ስፖርትን ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ መበል 130 ዓመት ዓወት ዓድዋ ምኽንያት ብምግባር “ሓደራ ዓድዋ ሓድነት፣ልኣላዊነትን ምንስርራእን”ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ማሕበረሰባዊ ምንቅስቓስ ብቕዓት ኣካል ኣካይዱ።
ኣብቲ መርሃ ግብሪ፤ ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ፣ሚኒስትር ምክልኻል ኢንጂነር ኣይሻ መሀመድ፣ሚኒስትር ባህልን ስፖርትን ሸዊት ሻንካ ሓዊሱ ዕዱማት ኣጋይሽ ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ መዘከርታ ዓወት ዓድዋ ተኻይዱ።
ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብዚ እዋን ከምዝበልኦ፤ ዓወት ዓድዋ ቀዳሞት ኣያታት ሓድነት፣ሕብረትን ፅንዓትን ተሓንጊጦም ዝረኸብዎ ውፅኢት ፅንዓት እዩ።
ዓወት ዓድዋ ኢትዮጵያውያን ኣብ ልኣላዊ ሓድነት ሃገሮም ዝሕሰቡ ፀገማት ምምካት ዝኽእሉ ጠንካራ ህዝብታት ምዃኖም ትምህርቲ ሂቡ ዝሓለፈ ዘኹርዕ ገድሊ ከምዝኾነ እውን ተዛሪበን።
ቀዳሞት ኣያታት ኣብ ዓድዋ ዝሓፈስዎ ዓወት እዚ ናይ ሕዚ ወለዶ እውን ኣብ ልምዓትን ዘላቒ ሰላምን ብምድጋም ዝተማልአ ልኣላዊነት ዝወነነት ኢትዮጵያ ናብ ወለዶ ከተሓላልፍ ከም ዘለዎ ሓቢረን።
ዓወት ዓድዋ ኩለ መዳያዊ ልኣላዊነታ ዝተረጋገፀ ኢትዮጵያ ናብ ወለዶ ንምትሕልላፍ ትምህርቲ ዝኸውን ዘኹርዕ ታሪኽ ከምዝኾነ እውን ኣረዲአን።
ሚኒስትር ምክልኻል ኢንጂነር ኣይሻ መሀመድ ብግደአን፤ ዓወት ዓድዋ ተራ ውፅኢት ኣሸናፊነት ኵናት ዘይኮነስ ውፅኢት ፅንዓት፣ብልሓት፣ጥበብን ብቕዓት ሓድነትን እዩ ኢለን።
ቀዳሞት ኣያታትና ብፍፁም ሓድነት ላዕልን ታሕትን ብብቕዓት ብምውፃእ ዝረኸብዎ ዘኹርዕ ዓወት እውን ብፅኑዕ ወነን ጠንካራ ብቕዓት ኣካልን ከምዝኾነ ገሊፀን።