ኢትዮጵያ ኣብ ክትትልን ቁፅፅርን ሓደጋታት ጥዕና ሕብረተሰብ ዕዉት ስራሕ ኣሳሊጣ እያ

ኣዲስ ኣበባ/ለካቲት 14/2018 (ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ሕማም ማርበርግ ቫይረስ ሓዊሱ ኣብ ክትትልን ቁፅፅርን ሓደጋታት ጥዕና ሕብረተሰብ ዕዉት ስራሕ እናሳለጠት ከም ዝኾነት ማእኸል ምክልኻልን ምቁፅፃርን ሕማማት ኣፍሪካ ገሊፁ።
ኣብቲ ማእኸል ሓላፊ ዘፈር ምክልኻል፣ድሉዉነትን ምላሽን ለበዳ ዶክተር ንጋሼ ንጎንጎ ከም ዝበልዎ፤ ኢትዮጵያ ቫይረስ ማርበርግ ንምቁፅፃር ዝገበረቶ ርብርብ እቲ ለበዳ ኣብ ሓፂር እዋን ንምቁፅፃር ኣኽኢሉ እዩ።
እዚ ድማ ኢትዮጵያ ልዑል ጉድኣት ከይበፅሐ ሕማም ምቁፅፃር ከምዝከኣል ትምህርቲ ዝውሰደላ ሃገር ከም ዝገብራ ሓቢሮም።
ኢንስቲትዩት ጥዕና ሕብረተሰብ ኢትዮጵያ እውን ንቁፅፅር ሓደጋታት ጥዕና ሕብረተሰብ ትምህርቲ ዝኸውን ልምድን ዓቕሚ ድሉዉነትን ከም ዝፈጠረ ኣረዲኦም።
እቲ ማእኸል ዓውዲ ጥዕና ኢትዮጵያ ንምጥንኻር ብምትሕብባር እናሰርሐ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ዝተፈላለዩ ደገት ቴክኒክ፣ምጥንኻር ዓቕሚ ላብራቶሪን ደገፍ እታዎትን እናገበረ ከምዝኾነ ከም ኣብነት ፀሪሖም።
ኣብታ ኣህጉር ልኣላዊነት ጥዕና ንምርግጋፅ ሃፍቲ ውሽጢ ሃገር ምዕባይ፣ተሳትፎ ዓውዲ ውልቀ ምጥንኻር፣ውፅኢታዊ ኣሰራርሓ ምጥንኻር ከምዝግባእ ንኢዜኣ ተዛሪቦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም