ኢኮ ሎጅ ሶርጋ እቲ ከባቢ ካብ ምሕላው ብተወሳኺ ኣብ ኮንስትራክሽንን ዝተፈላለዩ ኣገልግሎታትን ዕድል ስራሕ ንክፈጥር ተገይሩ ዝስራሕ ዘሎ እዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) - ኢዜአ ትግርኛ
ኢኮ ሎጅ ሶርጋ እቲ ከባቢ ካብ ምሕላው ብተወሳኺ ኣብ ኮንስትራክሽንን ዝተፈላለዩ ኣገልግሎታትን ዕድል ስራሕ ንክፈጥር ተገይሩ ዝስራሕ ዘሎ እዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ/ለካቲት 12/2018 (ኢዜኣ) ካብ ከተማ ነቀምቴ ኣብ 6 ኪሎ ሜትር ርሕቐት ዝርከብ ኢኮ ሎጅ ሶርጋ እቲ ከባቢ ካብ ምሕላው ብተወሳኺ ኣብ ኮንስትራክሽንን ዝተፈላለዩ ኣገልግሎታትን ዕድል ስራሕ ንክፈጥር ተገይሩ ዝተቐረፀ ከምዝኾነ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ኣብ ሃይቅ ሶርጋ ዝርከብ ኢኮ ሎጅ ሶርጋ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ልዕሊ 14 ሄክታር መሬት እናተሃነፀ ከም ዝርከብ ሓቢሮም።
ስራሕ እቲ ፕሮጀክት ብቕልጡፍ እናተሳለጠ ከምዝኾነን ኣብ ቀረባ እዋን ከም ዝዛዘም ትፅቢት ከም ዝግበርን እውን ገሊፆም።
ካብ ከተማ ነቀምቴ ኣብ 6 ኪሎ ሜትር ርሕቐት ጥራሕ ዝርከብ ኢኮ ሎጅ ሶርጋ እቲ ከባቢ ካብ ምሕላው ብተወሳኺ ኣብ ኮንስትራክሽንን ዝተፈላለዩ ኣገልግሎታትን ዕድል ስራሕ ንክፈጥር ተገይሩ ዝተቐረፀ እዩ ኢሎም።
እቲ ፕሮጀክት ንማሕበረሰብ እቲ ከባቢ ብምጥቃም ኣብቲ ክልል ዘላቒ ቱሪዝም ዘተባብዕ ከምዝኾነ ኣብራህሪሆም።