ህንፀት ዝተዋደደ ኢንዱስትሪ ምግቢ ቡሳ ጎኖፋ ኦሮሚያ ተጀሚሩ - ኢዜአ ትግርኛ
ህንፀት ዝተዋደደ ኢንዱስትሪ ምግቢ ቡሳ ጎኖፋ ኦሮሚያ ተጀሚሩ
ኣዲስ ኣበባ/ለካቲት 12/2018 (ኢዜኣ) ህንፀት ዝተዋደደ ኢንዱስትሪ ምግቢ ቡሳ ጎኖፋ ኦሮሚያ ከምዝተጀመረ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣፍሊጦም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ሎሚ መዓልቲ ዘጀመርናዮ ህንፀት ዝተዋደደ ኢንዱስትሪ ምግቢ ቡሳ ጎኖፋ ኦሮሚያ ሕሩጭ ዕፉንን ምሸላን ከምኡ እውን 14 ተወሰኽቲ ፍርያታት ውፅኢት ዕፉን ንምፍራይ ዝዓለመ እዩ ኢሎም።
እቲ ፕሮጀክት ተዛዚሙ ናብ ስራሕ እንትኣቱ ኣብ መዓልቲ 2000 ቶን ዕፉንን 120 ቶን ምሽላን ናይ ምፍራይ ዓቕሚ ከምዝህልዎ እውን ሓቢሮም።
ንልዕሊ 6500 ዝኾኑ ሰራሕተኛታት ቀዋምን ግዝያውን ዕድል ስራሕ ከም ዝፈጥር ብምግላፅ፤ ንሓረስቶት፣ ማሕበራት ሕብረት ስራሕን ዓውዲ ውልቀ ኣፍረይትን እቲ ከባቢ ሰንሰለት ፀጋ ብምፍጣር ንሓረስቶት እቲ ከባቢ ሰፊሕ ዕዳጋ ዝፈጥርን ኢኮኖሚ እቲ ከባቢ ዘዕብን እዩ ኢሎም።