ኣብ ግብርና ዝጀመርናዮ እመርታ ብኣግሮ ኢንዱስትሪ ፋብሪካታት እንተዘይተደጊፉ ውፅኢታዊ ኣይኸውንን-ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ

ኣዲስ ኣበባ/ለካቲት 12/2018 (ኢዜኣ) ኣብ ግብርና ዝጀመርናዮ እመርታ ብኣግሮ ኢንዱስትሪ ፋብሪካታት እንተዘይተደጊፉ ውፅኢታዊ ኣይኸውንን ክብሉ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም።
እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ሎሚ መዓልቲ ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ብምዃን ንዝተዋደደ ፓርክ ኢንዱስትሪ ግብርና ነቀምቴ ተዓዚብና ኢሎም።



እዚ ዝተዋደደ ፓርክ ኢንዱስትሪ ግብርና ብኮርፖሬሽን ልምዓት ፓርክታት ኢንዱስትሪ ክልል ኦሮሚያ ኣብ ልዕሊ 250 ሄክታር መሬት ዝህነፅ ዘሎ እዩ ኢሎም።
እቲ ፓርኪ ኣብቲ ከባቢ ንዝርከቡ ብፍላይ ድማ ኣብ ኣርባዕቲኦም ዞባታት ወለጋ ንዝርከቡ ሓረስቶት ዓብይ ዕድል ዕዳጋ ዝፈጠረ እዩ፤ ፍርያት ሓረስቶት ይርከብ፤ የቀነባብር ከምኡ እውን ንዕዳጋ ውሽጢ ሃገርን ወፃእን የቕርብ ክብሉ ኣረዲኦም።
ኣብ ግብርና ዝጀመርናዮ እመርታ ብኣግሮ ኢንዱስትሪ ፋብሪካታት እንተዘይተደጊፉ ውፅኢታዊ ኣይኸውንን፤ ኣብዚ መዳይ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዝተጀመረ ስራሕ ንዕቤት ግብርናና ዘቀላጥፍ እዩ ኢሎም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም