ሓረስቶትና እናፍረዩ ጥራሕ ኣይኮነን፤ ካብ መዋጭኦም እውን ፀጋ እናፍረዩ እዮም ዝርከቡ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) - ኢዜአ ትግርኛ
ሓረስቶትና እናፍረዩ ጥራሕ ኣይኮነን፤ ካብ መዋጭኦም እውን ፀጋ እናፍረዩ እዮም ዝርከቡ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ/ለካቲት 12/2018 (ኢዜኣ) ሓረስቶትና እናፍረዩ ጥራሕ ኣይኮነን፤ ካብ መዋጭኦም እውን ፀጋ እናፍረዩ ከም ዝርከቡ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ሓረስቶትና እናፍረዩ ጥራሕ ኣይኮነን፤ ካብ መዋጭኦም እውን ፀጋ እናፍረዩ እዮም ዝርከቡ ኢሎም።
ኣብ 1996 ዓ/ም ዝተጣየሸ ማሕበር ሕብረት ስራሕ ሓረስቶት ጊቤ ዲዴሳ 207 ቀዳማይ ደረጃ ማሕበራት ዝሓቖፈ ከምዝኮነ ሓቢሮም።
እቲ ማሕበር ን167 ሽሕ ሓረስቶት ከም ዘገልግል ብምግላፅ፤ ኣብዚ ሕዚ እዋን እታዎታት ግብርና ካብ ምቕራብ ብዝዘለለ ፀጋ ፍርያት ናብ ምውሳኽ ዓብዩ ከም ዝዓበየ ገሊፆም።
እቲ ማሕበር ኣብ ቀረባ እዋን ዘበናዊ መጥሓን እኽሊ ዝወነነ እንትኸውን ኣብ መዓልቲ 1200 ኩንታል ሕሩጭ ዕፉን ናይ ምፍራይ ዓቕሚ ዘለዎ እዩ ኢሎም።
ኣብ ልዕሊ 2.8 ሄክታር መሬት ዝተሃነፀ እዚ ፋብሪካ ነቲ ከባቢ ግዝያውን ቀዋምን ዕድል ስራሕ ከምዝፈጠረ እውን ኣረዲኦም።