ኣተሓሳስባ ፓን-ኣፍሪካኒዝም ኢትዮጵያ ዞባዊ ማሕበራውን ኢኮኖሚያውን ምትእስሳስ እናጠናኸረ እዩ-ሚኒስትር ማርቲን ኤሊያ ሎሙሮ

ኣዲስ ኣበባ/ለካቲት 12/2018 (ኢዜኣ) ኣተሓሳስባ ፓን-ኣፍሪካኒዝም ኢትዮጵያ ዞባዊ ማሕበራውን ኢኮኖሚያውን ምትእስሳስ እናጠናኸረ ከምዝኾነ ሚኒስትር ጉዳያት ካቢኔ ደቡብ ሱዳን ማርቲን ኤሊያ ሎሙሮ ገሊፆም።
መበል 39 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ “ምርግጋፅ ዘላቒ ቀረብን ድሕንነቱ ዝተሓለወ ስርዓት ሓለዋ ፅሬትን ማይ፤ ንዕዉትነት ሽቶታት ኣጀንዳ 2063”ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝተኻየደ ዝዝከር እዩ።
ጎና ጎኒ እቲ ጉባኤ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)ን ፕሬዚዳንት ደቡብ ሱዳን ሳልቫ ኪር ማያርዲትን ኣብ ክልቲኣውን ዞባውን ጉዳያት ዘትዮም እዮም።
ሚኒስትር ጉዳያት ካቢኔ ደቡብ ሱዳን ማርቲን ኤሊያ ሎሙሮ ንኢዜኣ ከምዝበልዎ፤ ኢትዮጵያን ደቡብ ሱዳንን ኣብ ማሕበራውን ኢኮኖሚያውን ዓውድታት ምትሕብባር ጠንካራ ርክብ ዘለወን ሃገራት እየን።
ዘተ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)ን ፕሬዚዳንት ደቡብ ሱዳን ሳልቫ ኪር ማያርዲትን እውን ኣድማስ ምትሕብባር እተን ሃገራት ኣብ ምዕባይ ልዑል ትርጉም ዝወሃቦ ጉዳይ እዩ ኢሎም።
ብፍላይ ድማ ኢትዮጵያ ንድሕንነት ደቡብ ሱዳን እትገብሮ ልዑል ኣስተዋፅኦ ምሕዝነት እተን ሃገራት ኣብ ጠንካራ መሰረት ብምህናፅ ኩለ መዳያዊ ዓቕምታት ምትሕብባር እናጠናኸረ ከምዝኾነ ገሊፆም።
ኢትዮጵያ ንሰላምን ድሕንነትን ጎረቤት ሃገራት ከምኡ እውን ምትእስሳር መሰረተ ልምዓት ዘለዋ ቆራፅነት ሓባራዊ ዕቤት ንምርግጋፅ ወሳኒ ብፅሒት ከምዘለዎ ተዛሪቦም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ዲፕሎማሲያዊ ምሕዝነት እተን ሃገራት ካብ ምጥንኻር ብዝዘለለ ንዘላቒ ሰላምን ድሕንነትን ደቡብ ሱዳን ዝለዓለ ደገፍ እናገበሩ ከምዝርከቡ ኣረዲኦም።
ኣተሓሳስባ ፓን-ኣፍሪካኒዝም ኢትዮጵያ ዞባዊ ምትእስሳር እናጠናኸረ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ኣተሓሳስባ ፓን ኣፍሪካኒዝም መተኣሳሰሪ ገመድ ሓድነት ኣፍሪካውያን እዩ ኢሎም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም