መንእሰይ ወለዶ ሕብረቱን ሓድነቱን ብምጥንኻር ንዕቤት ሃገር ክሰርሕ ይግባእ-ልጅ ዳንኤል ጆቴ መስፍን

ኣዲስ ኣበባ/ለካቲት 12/2018 (ኢዜኣ) መንእሰይ ወለዶ ሕብረቱን ሓድነቱን ብምጥንኻር ንኩለ መዳያዊ ዕቤት ሃገር ክሰርሕ ከምዝግባእ ፕሬዚዳንት ማሕበር ጥንታዊ ሓርበኛታት ጀጋኑ ኢትዮጵያ ልጅ ዳንኤል ጆቴ መስፍን ገሊፆም።
መበል 89 መርሃ ግብሪ መዘከርታ መዓልቲ ሰማእታት ፅንዓት ኣይግዛእን በሃላይነት ኢትዮጵያውያን ዝተርኣየሉ 12 ለካቲት 6 ኪሎ ኣብ ዝርከብ ሓወልቲ ሰማእታት ይካየድ ኣሎ።
ኣብቲ መርሃ ግብሪ ሓርበኛታት ወለዲ ሓዊሱ ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣጋይሽ ተረኺቦም።



ፕሬዚዳንት ማሕበር ጥንታዊ ሓርበኛታት ጀጋኑ ኢትዮጵያ ልጅ ዳንኤል ጆቴ መስፍን ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ቀዳሞት ሓርበኛታት ብዝኸፈልዎ ክባር ዋጋ ልኣላዊነትን ሓድነትን ኢትዮጵያ ብምሕላው ናብ ወለዶ ኣሰጋጊሮም እዮም።
እዚ ናይ ሕዚ ወለዶ እውን ዘላቒ ሰላምን ድሕንነትን ብምርግጋፅ እዚ እዋን ዝሓቶ ሓርበኝነት ልምዓት ብምሕንጋጥ ንኩለ መዳያዊ ዕቤት ሃገር ክሰርሕ ይግባእ ኢሎም።
ቀዳሞት ሓርበኛታት ንነፃነት ኢትዮጵያ ዝኸፈልዎ ዘኹርዕ ተጋድሎ እውን ነዚ ናይ ሕዚ ወለዶ ዓብይ ትምህርቲ ከም ዝኾነ ተዛሪቦም።
በቢ ዓመቱ ዝኽበር መዓልቲ ሰማእታት እውን ቀዳሞት ሓርበኛታት ንሃገሮም ተኣሚኖም ዝኸፈልዎ መስዋእቲ ወለዶ ንክዝክሮ ዘይትካእ እጃም ከምዘለዎ ሓቢሮም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም