ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ፕሮጀክት ልምዓት ኣርጆ ዲዴሳ ተዓዚቦም - ኢዜአ ትግርኛ
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ፕሮጀክት ልምዓት ኣርጆ ዲዴሳ ተዓዚቦም
ኣዲስ ኣበባ/ለካቲት 11/2018(ኢዜኣ) ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ንፕሮጀክት ልምዓት ኣርጆ ዲዴሳ ከምዝተዓዘቡ ኣፍሊጦም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ንፕሮጀክት ልምዓት ኣርጆ ዲዴሳ ከምዝተዓዘቡ ሓቢሮም።
እቲ ፕሮጀክት ዝበፅሐሉ ብርኪ እውን ኣዝዩ ዝነኣድ እዩ ኢሎም።
እዚ ዓብይ ፕሮጀክት ኣብ ቀረባ ዓመታት ህንፀቱ ተቐላጢፉ ናብ መዛዘሚኡ ከምዝተቓረበ እውን ገሊፆም።
ንኣገልግሎት ኣብ ዝበቕዐሉ እዋን እውን ንልምዓት ዝተፈላለዩ ዝራእቲ ብምድጋፍ ከም ሃገር ዝጀመርናዮ ፃዕርታት ልኣላዊነት ምግቢን ብኣሽሓት ንዝቑፀሩ ሓረስቶት ብምጥቃም ነቲ ግብርና ዘሳግር እዩ ኢሎም።
እዚ ፕሮጀክት ብጠንካራ ፃዕሪ ዝተሓሰበሉ ሽቶ ብምዕዋትን መነባብሮ ማሕበረሰብ እቲ ከባቢ ከምዘዕቢ ይተኣማመን ክብሉ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።