ፓርቲ ስምረት ሰላማውን ዲሞክራሲያውን መረፃ ንክካየድ ኣድላይ ምድላው እናገበረ እዩ-ኣባል ቤት ምኽሪ ውድብ ስምረት ሽሻይ ኣማረ(ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ/የካቲት/ 11/2018 (ኢዜኣ) ፓርቲ ዲሞክራሲያዊ ስምረት ትግራይ መረፃ 2018 ዓ/ም ሰላማውን ዲሞክራሲያውን ኮይኑ ንክሳለጥ ኣድላይ ምድላው እናገበረ ከምዝኾነ ኣባል ቤት ምኽሪ እቲ ፓርቲ ሽሻይ ኣማረ(ዶ/ር) ገሊፆም።
ኣባል ቤት ምኽሪ ውድብ ስምረት ሽሻይ ኣማረ(ዶ/ር) ምስ ኢዜኣ ኣብ ዝነበሮም ቃለ መሕትት ኣብ ጉዳይ መረፃ ብዝምልከት ኣብ ዝሃብዎ ርኢቶ፤ ፓርቲ ስምረት ኣብ ሓፈሻዊ መረፃ 2018 ዓ/ም ሰላማውን ዲሞክራሲያውን ውድድር ንምግባር ምድላው እናገበረ ከምዝኾነ ሓቢሮም።
መረፃ ሕገ መንግሥታዊ መሰል ህዝብታት ከምዝኾነ ብምሕባር፤
ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩነታት ድልውነት መረፃ ብዝምልከት እውን፤ ኣብ ትግራይ ዘለዉ ኩሎም ፀገማት ብመረፃ ሕጋዊ መንግሥቲ ብምምስራት ጥራሕ እዮም ዝፍትሑ ኢሎም።
ኣብ ትግራይ ዘሎ ዘይሕጋውን ዓሌታውን ጉጅለ ምስ ዝተፈላለዩ ደጋውን ውሽጣውን ፀረ ሰላም ሓይልታት ብምሕባር እቲ መረፃ ንምትዕንቓፍ ምንቅስቓስ እናገበረ ከምዝርከብ ብምግላፅ፤ ኣብቲ ክልል መረፃ ንምክያድ ዘኽእል ምችው ኩነታት ንምፍጣር ግዝያዊ ምምሕዳር እቲ ክልልን መንግሥቲ ፌዴራልን ሕገ ምንግሥታዊ ሓላፍነቶም ንክዋፅኡ ሓቲቶም።
መረፃ ኣብ ትግራይ ካብቲ ሃገራዊ መረፃ ዝፍለየሉን ዝድሕረሉን ዝኾነ ዓይነት ምኽንያት ክፍጠር ከምዘይብሉ እውን ተዛሪቦም።
ህዝቢ ትግራይ ከም ዕድል ኮይኑ ብዘይተመረፀ መንግሥቲ ንነዊሕ ዓመታት እናተመሓደረ ከምዝፀንሐ ብምዝኽኻር፤ ስለዝኾነ ድማ ካብ ዝኾነ ከባቢ ኢትዮጵያ ብዝበለፀ እቲ መረፃ ንህዝቢ ትግራይ ከምዘድልዮን ህዝቢ ትግራይ እውን ከምዝደልዮን ኣረዲኦም።
በቲ ዓሌታውን ዘይሕጋውን ጉጅለ ዝረጋገፅ ረብሓ ከምዘየለ ዝገለፁ ሽሻይ ኣማረ(ዶ/ር)፤ ኩሎም ፀገማት ትግራይ ዝፍትሑ ብሰላማዊ መንገድን ዝተመረፀ መንግሥቲ እንትህሉን ጥራሕ እዩ ኢሎም።
ኣብ ውሽጢ ትግራይ ይኹን ካብ ትግራይ ወፃኢ ዘሎ ኩሉ ትግራዋይ ኣብ ትግራይ መረፃ ንምክያድን ሕጋዊ ዝተመረፀ መንግሥቲ ንምምስራትን ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ጠንካራ ቃልሲ ንክገብር እውን ፃውዒት ኣቕሪቦም።
እቲ መረፃ ሰላማውን ዲሞክራሲያውን ኮይኑ ንክካየድ እውን ኩሎም ዜጋታት እታ ሃገርን ውድባት ፖለቲካን እጃሞም ክዋፅኡ ይግባእ ኢሎም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም