ቱርክዬ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ናይ ነዊሕ እዋን ምሕዝነት ብዝበለፀ ንምጥንኻር ትደሊ እያ-ፕሬዚዳንት ሪፐብሊክ ቱርክዬ ረጀብ ጠይፕ ኤርዶዋን - ኢዜአ ትግርኛ
ቱርክዬ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ናይ ነዊሕ እዋን ምሕዝነት ብዝበለፀ ንምጥንኻር ትደሊ እያ-ፕሬዚዳንት ሪፐብሊክ ቱርክዬ ረጀብ ጠይፕ ኤርዶዋን
ኣዲስ ኣበባ/ለካቲት 10 /2018(ኢዜኣ) ቱርክዬ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ናይ ነዊሕ እዋን ምሕዝነት ብዝበለፀ ንምጥንኻር ቆራፅ ከምዝኾነት ፕሬዚዳንት ሪፐብሊክ ቱርክዬ ረጀብ ጠይፕ ኤርዶዋን ገሊፆም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ምስ ፕሬዚዳንት ሪፐብሊክ ቱርክዬ ረጀብ ጠይፕ ኤርዶዋን ድሕሪ ምዝታዮም ብሓባር ጋዜጣዊ መግለፂ ሂቦም።
ፕሬዚዳንት ሪፐብሊክ ቱርክዬ ረጀብ ጠይፕ ኤርዶዋን ኣብዚ እዋን፤ ቱርክዬን ኢትዮጵያን ክፍለ ዘበናት ዘቑፀረ ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ከምዘለወን ተዛሪቦም።
ቱርክዬ ምስ ኢትዮጵያ ንዘለዋ ናይ ነዊሕ እዋን ምትሕብባር ልዑል ዋጋ ከምትህቦን ምሕዝነታ ምጥንኻር ከምትደልን እውን ሓቢሮም።
ቱርክዬ እቲ ኣብ ኢኮኖሚ፣ንግዲ፣መሰረተ ልምዓት፣ ባህሊ፣ትምህርትን ካልኦት ዓውድታትን ዘሎ ክልቲኣዊ ምትእስሳር ንምጥንኻር ቆራፅ እያ ኢሎም።
ቱርክዬ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ማዕረ ምሕዝነትን ሓባራዊ ምርድዳእን መሰረት ዝገበረ ርክብ ከምተጠናኽር እውን ኣረዲኦም።
ብተወሳኺ እውን ፕሬዚዳንት ሪፐብሊክ ቱርኪዬ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ስልጣን ካብ ዝሕዙ ግዜ ጀሚሩ ኣብ ፖለቲካዊ፣ ማሕበራውን ኢኮኖሚያውን ትራንስፎርሜሽን ንዘሳለጥዎ ስራሕ ንኢዶም።
ዓለም ገፁ ናብ ቀርኒ ኣፍሪካ ኣብ ዘዘረሉ እዚ እዋን ንነዊሕ እዋን ፀኒዑ ዝፀንሐ መዋቕርን ኣብነታዊ ምምሕዳርን ሃገረ መንግሥቲ ኢትዮጵያ ብዝበለፀ ኣድላይ እናኾነ ከምዝመፀ ኣብራህሪሆም።
ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ዘለዉ ፀገማት ብዘይ ዝኾነ ደጋዊ ኢድ ኣታውነት ብሃገራት እቲ ዞባ ጥራሕ ክፍታሕ ከምዝግባእን እቲ ዞባ መድረኽ መነሓንሒ ጂኦ ፖለቲካ ክኸውን ከምዘይብሉን ገሊፆም።
ቀርኒ ኣፍሪካ ዕድላት ኢኮኖሚ ዘለውዎ ዞባ ከምዝኾነ እውን ሓቢሮም።
እቲ ናይ ሎሚ መዓልቲ ዑደት እውን ኣወንታዊ ውፅኢታት ሒዙ ከምዝመፅእን ንሰላምን ምርግጋዕን እቲ ዞባ ኣስተዋኦ ከምዘበርክትን ሙሉእ እምነት ኣለኒ ኢሎም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ንዝገበሩሎም ኣቀባብላ እውን ምስጋና ኣቕሪቦም።