ኢትዮጵያን ቱርክዬን ኣብ ወሳኒ ጉዳያት ብሓባር ንምስራሕ ተስማዕሚዐን-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) - ኢዜአ ትግርኛ
ኢትዮጵያን ቱርክዬን ኣብ ወሳኒ ጉዳያት ብሓባር ንምስራሕ ተስማዕሚዐን-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ/ለካቲት 10/2018 (ኢዜኣ) ኢትዮጵያን ቱርክዬን ኣብ ወሳኒ ጉዳያት ብሓባር ንምስራሕ ከምዝተስማዕምዓ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)ን ፕሬዚዳንት ሪፐብሊክ ቱርክዬ ረጀብ ጣይፕ ኤርዶጋን ኣብ 9ይ ሰነድ ስምምዕ ኮሚሽን ሓባራዊ ኢኮኖሚ ቱርክ-ኢትዮጵያ ከምኡ እውን ኣብ ዓውዲ ኢነርጂ ብምትሕብባር ንምስራሕ ዘኽእል ሰነድ መረዳድኢ ተፈራሪሞም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ምስ ፕሬዚዳንት ሪፐብሊክ ቱርክዬ ረጅብ ጠይብ ኤርዶዋን ዘትዮም።
ድሕሪ ዘትኦም እውን ሓባራዊ መግለፂ ሂቦም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብዚ እዋን ምስ ፕሬዚዳንት ሪፐብሊክ ቱርክዬ ውፅኢታዊ ዘተ ምግባሮም ተዛሪቦም።
ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ታሪኻውን ዲፕሎማሲያውን ርክብ ብዝበለፀ ንምጥንኻር ዘኽእሉ ስምምዓት ከምዝተስማዕምዑ እውን ሓቢሮም።
ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ልውውጥ ንግዲ ልዕሊ 1 ቢልዮን ዶላር ንክኸውን ብሓባር ንምስራሕ ከምዝተስማዕምዑ ብምግላፅ፤ ዓውድታት ቢዝነስ እውን ንክስፋሕፍሑ ኣብ ስምምዕ ከምዝተበፅሐ ኣብራህሪሆም።
ብተወሳኺ እውን ኩባንያታት ቱርክዬ ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዎም ተሳትፎ ኢንቨስትመንት ንከዕብዩ ከምዝተሓተተ ብምሕባር፤ ካብ ዕዳጋ ውሽጢ ሃገር ብተወሳኺ ናብ ሃገራት ኣፍሪካ ንግዲ ወፃኢ ምግባር ኣብ ዝኽእልሉ
ጉዳያት ከምዝተስማዕምዑ ኣረዲኦም።
ቱርክዬ ኣብ መንጎ ኣውሮፓን ኣፍሪካን ዘሎ እጃም ኢኮኖሚ ብምጥቃም ንዞባዊ ዕቤት ንክትሰርሕ እውን ኣብ ስምምዕ ከምዝተበፅሐ ወሲኾም ኣፍሊጦም።
ኢትዮጵያ እስርቲ መልክኣ ምድሪ ኮይና ከምዝፀንሐት ዝገለፁ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ እዚ ጉዳይ ብሰላማዊ መንገዲ ንምፍታሕ መንግሥቲ ቱርክዬ ዲፕሎማሲያዊ ኣስተዋፅኦ ንከበርክት ፃውዒት ኣቕሪቦም።
ኣብ ዓውዲ ፀጥታ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ቃልሲ ፀረ ግብረ ራዕዲ ብሓባር ንምስራሕ ቃሎም ከምዘሐደሱ እውን ኣብሪሆም።
ብተወሳኺ እውን ኢትዮጵያ ንተዳልዎ ዓለም ለኸ ጉባኤ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር (COP-32) ልውውጥ ልምዲ ንምግባር ተተስማዕሚዖም።