ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)ን ፕሬዚዳንት ሪፐብሊክ ቱርክዬ ረጀብ ጣይፕ ኤርዶጋንን ኣብ 9ይ ሰነድ ስምምዕ ኮሚሽን ሓባራዊ ኢኮኖሚ ቱርክ-ኢትዮጵያ ከምኡ እውን ኣብ ዓውዲ ኢነርጂ ብምትሕብባር ንምስራሕ ዘኽእል ሰነድ መረዳድኢ ተፈራሪሞም

ኣዲስ ኣበባ/ለካቲት 10/2018 (ኢዜኣ) ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)ን ፕሬዚዳንት ሪፐብሊክ ቱርክዬ ረጀብ ጣይፕ ኤርዶጋን ኣብ 9ይ ሰነድ ስምምዕ ኮሚሽን ሓባራዊ ኢኮኖሚ ቱርክ-ኢትዮጵያ ከምኡ እውን ኣብ ዓውዲ ኢነርጂ ብምትሕብባር ንምስራሕ ዘኽእል ሰነድ መረዳድኢ ከም ዝተፈራረሙ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣፍሊጡ።



እዞም ስምምዓት ኣብ መንጎ ቱርክዬን ኢትዮጵያን እናተጠናኸረ ንዝመፀ ምሕዝነት ብዝበለፀ ዘጠናኽሩ ከምዝኾኑ ብምግላፅ፤ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ሓባራዊ ተረባሕነት መሰረት ኣብ ዝገበሩ ዓውድታት ዘለወን ርክብ ስራሕ ንምዕባይ ቆራፃት ከምዝኾኑ ዘመላኽት እዩ ኢሉ እቲ ቤት ፅሕፈት። 

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም