ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምስ ፕሬዚዳንት ሪፐብሊክ ቱርክዬ ረጀብ ጠይፕ ኤርዶጋን ዘትዮም - ኢዜአ ትግርኛ
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምስ ፕሬዚዳንት ሪፐብሊክ ቱርክዬ ረጀብ ጠይፕ ኤርዶጋን ዘትዮም
ኣዲስ ኣበባ/ለካቲት 10/2018(ኢዜኣ) ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምስ ፕሬዚዳንት ሪፐብሊክ ቱርክዬ ረጀብ ጠይፕ ኤርዶጋን ዘትዮም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ምስ ፕሬዚዳንት ሪፐብሊክ ቱርክዬ ረጀብ ጠይፕ ኤርዶጋን ስፍሕ ዝበለ ዘተ ገይርና ኢሎም።
ዘተና ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ቱርክዬን ዘሎ ዘላቒ ምሕዝነትን ጠንካራ ምትሕብባርን ብዝበለፀ ዘጠናኸረ እዩ ክብሉ እውን ሓቢሮም።
ኣብ ስትራቴጂካዊ ዓውድታት ምትሕብባር ልውውጥ ሓሳብ ከምዝገበሩ ብምግላፅ፤ ረብሓ ክልቲአን ሃገራት ዘኽብሩ ምሕዝነታት ንምዕባይ ዘለዎም ሓባራዊ ቆራፅነት ዳግማይ ከምዘረጋገፁ ገሊፆም።
እቲ ዘላቒ ርክብና ክልቲአን ሃገራት ንዘተኣሳስር ምሕዝነት ብዝበለፀ ከምዘጠናኽሮ ሙሉእ እምነት ኣለኒ ክብሉ እውን መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።