ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ንፕሬዚዳንት ሪፐብሊክ ተርክዬ ረጀብ ጣይፕ ኤርዶዋን ተቐቢሎሞም - ኢዜአ ትግርኛ
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ንፕሬዚዳንት ሪፐብሊክ ተርክዬ ረጀብ ጣይፕ ኤርዶዋን ተቐቢሎሞም
ኣዲስ ኣበባ/ለካቲት 10/2018 (ኢዜኣ) ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ንፕሬዚዳንት ሪፐብሊክ ተርክዬ ረጀብ ጣይፕ ኤርዶዋን ተቐቢሎሞም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ክቡር ፕሬዚዳንት ሪፐብሊክ ቱርክዬ ረጀብ ጣይፕ ኤርዶዋን ናብ ምድረ ቀዳሞት ኢትዮጵያ እንኳዕ ብደሓን ክብል ይፎቱ ኢሎም።
ዕላዊ ልውውጥ ዑደት ስራሕና ኣብ መንጎ ተረክዬን ኢትዮጵያንዘሎ ዕሙቕ ጥንካረ ምሕዝነት ዘንፀባርቕ እዩ ክብሉ እውን ሓቢሮም።
ካብ ኣንካራ ክሳብ ኣዲስ ኣበባ፤ ኣብ መንጎ ክልቲአን ጥንታዊ ሃገራት ዘሎ ምትሕብባር ብዝበለፀ ዘጠናኽሩን ዘላቒ ምትእስሳር ዘረጋግፁን ውፅኢታዊ ዘተታት ንክህልዉና ይምነ ክብሉ ሰናይ ትምኒቶም ገሊፆም።