ፕሬዚዳንት ሪፐብሊክ ቱርክዬ ረጅብ ጣይፕ ኤርዶዋን ኣብ መዘከርታ ዓወት ዓድዋ ሕቑፊ ዕንበባ ኣንቢሮም

ኣዲስ ኣበባ/ለካቲት 10/2018 (ኢዜኣ) ፕሬዚዳንት ሪፐብሊክ ቱርክዬ ረጅብ ጣይፕ ኤርዶዋን ኣብ ኣብ ትሕቲ ሓወልቲ መዘከርታ ንነፃነት ፀለምቲ ህዝብታት ዋጋ ዝኸፈሉ ጀጋኑ ሕቑፊ ዕንበባ ኣንቢሮም።
ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፀን ኣብ ዘመሓላለፍኦ መልእኽቲ፤ ሎሚ መዓልቲ ፕሬዚዳንት ሪፐብሊክ ቱርክዬ ረጅብ ጣይፕ ኤርዶዋን ኩርዓት መላእ ፀለምቲ ህዝብታት ኣብ ዝኾነ መዘከርታ ዓወት ዓድዋ ተረኺቦም፤ ኣብ ትሕቲ ሓወልቲ መዘከርታ ንነፃነት ፀለምቲ ህዝብታት ዋጋ ዝኸፈሉ ጀጋኑ ሕቑፊ ዕንበባ ኣንቢሮም ኢለን።



እቶም ፕሬዚዳንት ኣብ ምድረ ቀዳሞት ኢትዮጵያን ፅብቕቲ ከተማና ኣዲስ ኣበባን ዝህልዎም ፃንሒት ውፅኢታዊ ንክኾነሎም ብሽመይን ብሽም ምምሕዳር እቲ ከተማን ካብ ልበይ ይምነ ክብላ እውን ገሊፀን።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም