ኢትዮጵያ ኣብ መበል 39 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካን መበል 2ይ ጉባኤ ጣልያን ኣፍሪካን ሃገራዊ ረብሓታታ ዝሓለወ ዲፕሎማስያዊ ዓወት ረኺባ እያ-ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ - ኢዜአ ትግርኛ
ኢትዮጵያ ኣብ መበል 39 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካን መበል 2ይ ጉባኤ ጣልያን ኣፍሪካን ሃገራዊ ረብሓታታ ዝሓለወ ዲፕሎማስያዊ ዓወት ረኺባ እያ-ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ
ኣዲስ ኣበባ/ለካቲት/10/ 2018 (ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ኣብ መበል 39 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካን መበል 2ይ ጉባኤ ጣልያን ኣፍሪካን ሃገራዊ ረብሓታታ ዝሓለወ ዲፕሎማስያዊ ዓወት ረኺባ እያ ክብል ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ ገሊፁ ፡፡
ሚኒስትር ዴኤታ ጉዳይ ወፃኢ ኣምባሳደር ብርሃኑ ፀጋዬ ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝተሳለጡ ክልተ ዓበይቲ ጉባኤታት ብዝምልከት መግለፂ ሂቦም።
እቶም ሚኒስትር ዲኤታ ኣብ መግለፂኦም ከምዝበልዎ፤ እቲ ጉባኤ ብዓወት ምዝዛሙ ኢትዮጵያ ዓለም ለኸ ጉባኤታት ንምእንጋድ ዓቕማ ከምዘዕበየት ዘመላኽት እዩ።
ኢትዮጵያ ነቶም ክልተ ጉባኤታት ብዝለዓለ ፅሬት ከምዘተኣናገደቶም ብምሕባር፤ ንኣጋይሻ ብኽብሪ ተቐቢላ ብኽብሪ ሰንያ እያ ኢሎም።
ኣብ መበል 39 ጉባኤ መራሕቲ እቲ ሕብረት 41 መራሕትን 48 ሚኒስተራት ጉዳያት ወፃእን ሃገራት ሓዊሱ ልዕሊ 20 ሽሕ ኣጋይሽን ምስታፎም ኣረዲኦም፡፡
ኢትዮጵያ ኣብ ክልቲኡ ጉባኤታት ኣርባዕተ ቀንዲ ዓወታት ከምዘመዝገበት ዝገለፁ እቶም ኣምባሳደር፤ ኣጋይሻ ብምቕባልን ብምስናይን ባህላ ዘስፋሕፈሐትሉ ፍፃመ ከምዝኾነ ገሊፆም።
ጎና ጎኒ እቶም ጉባኤታት ዕዉታት ኩለ መዳያዊ መድረኻት ብምክያድ ሃገራዊ ረብሓታት ኢትዮጵያ ዝሕሉ ዲፕሎማስያዊ ዓወት ከምዝተረኸበ ሓቢሮም።
እቶም ሚኒስትር ዲኤታ፤ እቲ ጉባኤ ደረጅኡ ብዝሓለወ መልክዑ ንክዕወት እጃሞም ንዝተዋፅኡ ከምኡ እውን ንነበርቲ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ምስጋና ኣቕሪቦም።
ተሳተፍቲ እቲ ጉባኤ ብኽብሪ ነናብ ሃገሮም ከም ዝተመለሱን ምፍናው ከምተገበረሎምን ኣብ መገለፂኦም ፀሪሖም ።