ኣብ ሓፈሻዊ መረፃ እዚ ዓመት ዲሞክራሲያዊ ውድድር ንምግባር ሙሉእ ምድላው ገይርና ኢና-ላዕለዎት ኣመራርሓ ውድባት ትግራይ - ኢዜአ ትግርኛ
ኣብ ሓፈሻዊ መረፃ እዚ ዓመት ዲሞክራሲያዊ ውድድር ንምግባር ሙሉእ ምድላው ገይርና ኢና-ላዕለዎት ኣመራርሓ ውድባት ትግራይ
ኣዲስ ኣበባ/ለካቲት 10/2018 (ኢዜኣ) ኣብ ሓፈሻዊ መረፃ 2018 ዓ/ም ዲሞክራሲያውን ሰላማውን ውድድር ንምግባር ዘኽእል ኩለ መድያዊ ምድላው ከምዝገበሩ ላዕለዎት ኣመራርሓ ውድባት ባይቶና ዓባይ ትግራይን ሹም ተንቤን ፓርትን ገሊፆም።
እቶም ላዕለዎት ኣመራርሓ ምስ ኢዜኣ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት፤ መረፃ ንህዝቢ ትግራይ ቅድሚ ኩሎም ነገራት ኣዝዩ ኣድላይን ወሳንን እዩ ኢሎም።
ላዕለዋይ ጠማቲ ፓርቲ ሹም ተምቤን ኣይተ ገብረሚካኤል ተስፋይ ከምዝበልዎ፤ ህዝቢ ትግራይ ዲሞክራሲያዊ መሰላቱ ተሓዲጉ ብሽም ግዝያዊ ምምሕዳር እናተመሓደረ ክነብር የብሉን።
ኣብዚ ሕዚ እዋን ህዝቢ ትግራይ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዘለዉ ክልቲኦም ኣብያተ ምኽሪ ውክልና ከምዘይብሉ ብምግላፅ፤ ነዚ ንምስትኽኻል ድማ ከም ውድብ ሹም ተንቤን መረፃ ኣብ እዋኑ ክግበር ከምዘለዎ ተረዲእና ዲሞክራሲያውን ሰላማውን ውድድር ንምግባር ዘኽእል ኩለ መዳያዊ ምድላው ገይርና ኢና ክብሉ ተዛሪቦም።
ብሕታዊ መፍትሒ ፀገም ትግራይ መረፃ ገይርካ ዝተመረፀ መንግሥቲ ምምስራት ከም ዝኾነ ብምእማን ንዕዉትነት እቲ ሃገራዊ መረፃ ውድባዊ እጃሞም እናተዋፅኡ ከምዝኾኑ እውን ሓቢሮም።
መረፃ ንህዝቢ ትግራይ ቅድሚ ኩሎም ነገራት ኣዝዩ ኣድላይን ወሳንን ከምዝኾነ እውን ኣረዲኦም።
መረፃ ካብ ኲናት ንምትራፍ እውን ኣዝዩ ጠቓሚ እዩ ኢሎም።
ኣቦ መንበር ውድብ ባይቶና ዓባይ ትግራይ ኣይተ ክብሮም በርሀ ብግደኦም፤ ህዝቢ ካብ ዘለዎ ዝተሓላለኸ ፀገም ንምውፃእ መረፃ ኣብ እዋኑ ተኻይዱ ናብ ልምዓት ምእታው ይግባእ።
ህዝቢ ትግራይ መራሕቱ ዝመርፀሉ ስርዓት ክፍጠር ከምዘለዎ እውን ሓቢሮም።
ካብ ናይ ኲናት ፖለቲካ ናብ ናይ ፓርቲ ፖለቲካ ክንኣቱ ኣለና ዝበሉ እቶም ኣቦ መንበር፤ እዚ እንተገይርና ህዝቢ እውን ጠብመንጃ ዘይኮነስ ሓሳብ ሒዙ ክመፅእ እዩ ኢሎም።
ውዕሎናን ዘረባናን እውን ክልወጥ ኣለዎ ዝበሉ ኣይተ ክብሮም በርሀ፤ ብረት ፀላኢ ንዝበልካዮ ጥራሕ ዘይኮነስ ንባዕልኻ እውን እዩ ዝቐትል ክብሉ ተዛሪቦም።
ከም ውድብ ኣብ ትግራይ ይኹን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዲሞክራሲያውን ሰላማውን ውድድር ምግባር ዘኽእል ኩለ መድያዊ ከምዝገበሩ እውን ኣብሪሆም።
መንግሥቲ ይኹን ብሄራዊ ቦርድ መረፃ እውን ስርሖም ይስርሑ ንሕና እውን ክንገብሮ ዝግበኣና ኩለ መዳያዊ ምድላው እናገበርና ኢና ክብሉ ኣረዲኦም።