ሕብረት ኣፍሪካን ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካን ምሕዝነቶም ንምሕዳስ ዘለዎም ቆራፅነት ገሊፆም - ኢዜአ ትግርኛ
ሕብረት ኣፍሪካን ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካን ምሕዝነቶም ንምሕዳስ ዘለዎም ቆራፅነት ገሊፆም
ኣዲስ ኣበባ/ለካቲት 9/2018(ኢዜኣ) ሕብረት ኣፍሪካን ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካን ፋይናንሳዊ መዋቕር እታ ኣህጉር ምጥንኻር ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ዘለዎም ምሕዝነት ንምሕዳስ ከምዝሰርሑ ገሊፆም።
መበል 39 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ እናተኻየደ ከምዝቐነየን ትማሊ ከምዝተዛዘመን ዝዝከር እዩ።
ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ መሓመድ ዓሊ ዮሱፍ፤ ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካ ንቁልፊ ዓውድታት ትኹረት ኣፍሪካ ዝገብሮ ዘሎ ኣስተዋፅኦ ንኢዶም።
ንፈንድ ልምዓት ኣፍሪካ 11 ቢሊዮን ዶላር ተወሳኺ ደገፍ ገንዘብ ከምዝገበረ እውን ወሲኾም ሓቢሮም።
እቶም ኣቦ መንበርን ፕሬዚዳንት እቲ ባንክን፤ ምትሕብባር ምድላው ፕሮጀክት ንምጥንኻር፣ሓደ ሚልዮን ዶላር ኣሜሪካ ካፒታል ኣፍሪካ ንምእካብ፣ኤጀንሲ ምዘና ልቓሕ ኣፍሪካ ንምጥንኻርን ጠንካራ ስርዓት ፋይናንስ ኣፍሪካ ንምህናፅን ኣብ ዘኽእሉ ጉዳያት ዘትዮም።
ኣብቲ ዘተ፤ ሕብረት ኣፍሪካን ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካን ምሕዝነቶም ብሓዱሽ መልክዕ ንምሕዳስ ከምዝተስማዕምዑ ኢዜኣ ካብ ሕብረት ኣፍሪካ ዝረኸቦ ሓበሬታ የመላኽት።