ኢትዮጵያ ዓቕሚ ፈጠራን ዕድል ስራሕን ደቂ ኣንስትዮን መናእሰይን ዘዕብዩ ወሰንቲ ስጉምትታት ፖሊሲ ብምውሳድ ውፅኢት እናመዝገበት እያ-ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ስላሴ - ኢዜአ ትግርኛ
ኢትዮጵያ ዓቕሚ ፈጠራን ዕድል ስራሕን ደቂ ኣንስትዮን መናእሰይን ዘዕብዩ ወሰንቲ ስጉምትታት ፖሊሲ ብምውሳድ ውፅኢት እናመዝገበት እያ-ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ስላሴ
ኣዲስ ኣበባ/ለካቲት 9/2018 (ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ዓቕሚ ፈጠራን ዕድል ስራሕን ደቂ ኣንስትዮን መናእሰይን ዘዕብዩ ወሰንቲ ስጉምትታት ፖሊሲ ብምውሳድ ውፅኢት እናመዝገበት ከምዝኾነት ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ስላሴ ገሊፆም።
መበል 9ይ ፎረም ቢዝነስ ኣፍሪካ 2026 “ንቀፃሊ ተስፋ ኣፍሪካ ብገንዘብ ምድጋፍ፣ኢኖቬሽንን ዕድል ስራሕን ንዘላቒ ስግግር” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ኮሚሽን ኢኮኖሚክ ኣፍሪካ እናተኻየደ እዩ ዝርከብ።
ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ታዬ ኣፅቀ ስላሴ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ኣጀንዳ 2063 ሕብረት ኣፍሪካ መናእሰይ መብሰርቲ ሕዳሰ እታ ኣህጉር ንክኾኑ ምኽኣል እዩ።
ኣብ ኣፍሪካ እኹል ዕድል ስራሕ ዝፈጥሩ ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪታት፣መሰረተ ልምዓት ትራንስፖርትን ጠንካራ ትካላትን ክህልዉ ከምዝግባእ ተዛሪቦም።
ኣብዚ መዳይ ኢትዮጵያ ኣብ ዲጂታል ክእለት፣ፈጠራን ኢኖቬሽንን መናእሰይን ደቂ ኣንስትዮን ብትኹረት እናሰርሐት እያ ትርከብ ኢሎም።
ኢትዮጵያ ንክእለት መናእሰይ መሰረት ዝገበረ ዕድል ስራሕ ንምፍጣር ወሳኒ ስጉምቲ ፖሊሲ ከምዝወሰደት ብምግላፅ፤ ነዚ ስዒቡ ድማ ካብቶም ዝተፈጠሩ ዕድላት ስራሕ 84 ሚኢታዊ ንመናእሰይ ከምዝኾነ ኣብራህሪሆም።
ኣብ ኣፍሪካ ዓቕሚ ኢኖቬሽን ፈጠራ ስራሕን መናእሰይ ንምዕባይ ኮሪደር ኢኖቬሽን ፓን ኣፍሪካ ምፍጣር ወሳኒ እዩ ኢሎም።