ፀገም ትግራይ ምስ መንግሥቲ ፌዴራል ኮይንካ ብሰላም እምበር ምስ ፀላኢ ህዝቢ ትግራይ ዝኾነ ሻዕብያ ኮይንካ ብኵናት ኣይፍታሕን-ሌተናል ጀነራል ፃድቃን ገብረ ትንሳኤ

ኣዲስ ኣበባ/ለካቲት 8/2018 (ኢዜኣ) ፀገም ትግራይ ምስ መንግሥቲ ፌዴራል ኮይንካ ብሰላም እምበር ምስ ፀላኢ ህዝቢ ትግራይ ዝኾነ ሻዕብያ ኮይንካ ብኵናት ኣይፍታሕን ክብሉ ነበር ኢታማዦር ሹም ሓይልታት ሰራዊት ምክልኻል ፌዴሪኢ ሌተናል ጀነራል ፃድቃን ገብረ ትንሳኤ ገሊፆም።
“ሰላም ንህዝብና፣ለውጢ ንመፃኢ ተስፋና”ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ መድረኽ ምኽክር ደለይቲ ለውጢ ትግራይ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ተኻይዱ።



ዋና መተሓባበሪ እቲ ምንቅስቓስ ነበር ኢታማዦር ሹም ሰራዊት ምክልኻል ፌዴሪኢ ሌ/ጀነራል ፃድቃን ገብረ ትንሳኤ ኣብዚ እዋን ካብ ተሳተፍቲ እቲ መድረኽ ንዝተልዓሉ ሕቶታት ኣብ ዝሃብዎ መብራህርሂ፤ መላእ ህዝቢ ትግራይ ደላይ ሰላምን እምቢ ንኵናት ዝበለን እዩ ኢሎም።
ከም ህዝቢ ክንድሕን እንተኾይንና ኵናት ብምፅያፍ ንሰላም ክንሰርሕ ኣለና ዝበሉ ሌ/ጀነራል ፃድቃን፤ ህዝቢ ትግራይ ሰላም ካብ ምድላይ ብተወሳኺ በቢ ከባቢኡ ተወዲቡ ኣንፃር ኵናት ክቃለስ ከምዘለዎ ሓቢሮም።
ኣብ ትግራይ ዘሎ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ምስ ሻዕብያን ካልኦት ፀረ ሰላም ሓይልታትን ኮይኑ ንስምምዕ ሰላም ፕሪቶሪያ ብምፍራስ ኵናት ንምጅማር ምድላዉ ወዲኡ ከምዝርከብ ገሊፆም።
ፀገም ትግራይ ምስ መንግሥቲ ፌዴራል ኮይንካ ብሰላም እምበር ምስ ፀላኢ ህዝቢ ትግራይን ኢትዮጵያን ዝኾነ ሻዕብያ ኮይንካ ብኵናት ኣይፍታሕን ክብሉ እውን ተዛሪቦም።
እዚ ጉጅለ ህዝቢ ብሓይሊ ስንቂ ንከዋፅእን መናእሰይ እናገፈፈ ናብ ኵናት ንምእታውን እናሰርሐ እዩ ዝርከብ ኢሎም።
መንግሥቲ ፌዴራል ስምምዕ ሰላም ፕሪቶሪያ ከኽብር ይኹን ፀገም ትግራይ ክፈትሕ ሓላፍነቱ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ኣብ ትግራይ ዘሎ ፀገም ንምፍታሕ ከም ምንቅስቓስ ምስ መንግሥቲ ፌዴራል ብምትሕብባር እናሰራሕና ኢና ንርከብ ኢሎም።
ስለዝኾነ ድማ ኣብዚ ሕዚ እዋን ምስ ፌዴራል መንግሥቲ ኣብ ዝሓሸ ብርኪ ምትእምማንን ርክብን ከምዝበፅሑ ብምግላፅ፤ ኣብ ቀፃሊ እውን ብዝበለፀ ተዋዲድና ክንሰርሕ ኢና ክብሉ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።
ኣብቲ ምንቅስቓስ ደለይቲ ለውጢ ትግራይ ዘዳለዎ መድረኽ፤ ተደራደርቲ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶሪያ ዝኾኑ ነበር ኢታማዦር ሹም ሓይልታት ሰራዊት ፌዴሪኢ ሌ/ጀነራል ፃድቃን ገ/ትንሳኤን ኣሰፋ ኣብርሃን ሓዊሱ መራሕቲ ዝተፈላለዩ ውድባት ፖለቲካ ትግራይ፣ ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብን ፍሉጣት ፖለቲከኛታትን ተሳቲፎም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም