ኣብ ዓውድታት ጥዕና፣ትምህርቲ፣ኢኮኖምን ምክልኻል ለውጢ ከባብያዊ ኣየርን ዓቕሚ ደቂ ኣንስትዮ ኣፍሪካ ብዝበለፀ ምዕባይ ጠቓሚ እጃም ኣለዎ-ቀዳማዊት እመቤት ዝናሽ ታያቸው - ኢዜአ ትግርኛ
ኣብ ዓውድታት ጥዕና፣ትምህርቲ፣ኢኮኖምን ምክልኻል ለውጢ ከባብያዊ ኣየርን ዓቕሚ ደቂ ኣንስትዮ ኣፍሪካ ብዝበለፀ ምዕባይ ጠቓሚ እጃም ኣለዎ-ቀዳማዊት እመቤት ዝናሽ ታያቸው
ኣዲስ ኣበባ/ለካቲት 8/2018 (ኢዜኣ) ኣብ ዓውድታት ጥዕና፣ትምህርቲ፣ኢኮኖምን ምክልኻል ለውጢ ከባብያዊ ኣየርን ዓቒሚ ደቂ ኣንስትዮ ኣፍሪካ ብዝበለፀ ምዕባይ ጠቓሚ እጃም ከምዘለዎ ቀዳማዊት እመቤት ዝናሽ ታያቸው ገሊፀን።
ቀዳማዊት እመቤት ዝናሽ ታያቸው ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፀን ኣብ ዘመሓላለፍኦ መልእኽቲ፤ ኣብ መርሃ ግብርታት መዓርነት ፆታ፣ጥዕናን ትምህርትን፣ዓውዲ ኢኮኖምን ምክልኻል ለውጢ ከባብያዊ ኣየርን ዓቕሚ ደቂ ኣንስትዮ ኣፍሪካ ምዕባይ ጠቓሚ እጃም ከምዘለዎ ሓቢረን።
ብፍላይ ድማ ደቂ ኣንስትዮ ማእኸል ዝገበሩ ስራሕቲ ማሕበራዊ ልምዓት ዓቕሚ ደቂ ኣንስትዮ ብዝበለፀ ስለዘዕብዩ እዚ ኣብ ግምት ብምእታው ኣብ ቤት ፅሕፈትና ኣብ ዝሓለፉ 6 ዓመታት 37 ካልኣይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ተሃኒፆም ተበፃሕነት ትምህርቲ ህፃናትን ደቂ ኣንስትዮን ንምዕባይ ተሰሪሑ እዩ ኢለን።
ብተወሳኺ እውን ንክእለት ሞያን ንግድን ደቂ ኣንስትዮ ስልጠና፣ መስርሒ ቦታ፣እታዎትን መበገሲ ካፒታልን ብምምችቻው ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ኣታዊ ዝርከበሎም ስራሕቲ ተዋፊረን መነባብሮአንን መነባብሮ ቤተሰበንን ንክቕይራ ገይርና ኢና ክብላ ገሊፀን።
ሓምለዋይ ኣሰር ኢትዮጵያ እውን ብርክት ዝበላ ሚልዮን ደቂ ኣንስትዮ ብፍቓደን ስለዝተሳተፋሉ ክዕወት ከምዝኸኣለ ኣረዲአን።
ምዝባዕ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ንምፅዋር ይኹን ካልኦት ፀገማት ኣፍሪካ ንምፍታሕ ደቂ ኣንስትዮ እቲ ወሳኒ ቦታ ዝረኽባሉ ዓውዲ ክንፈጥር ኣለና ኢለን።
ነዚ ድማ ንሕና ቀዳማዊት እመቤታት ልዑል ሓላፍነት ኣለና ክብላ ኣገንዚበን።