መበል 39 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ተዛዚሙ - ኢዜአ ትግርኛ
መበል 39 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ተዛዚሙ
ኣዲስ ኣበባ/ለካቲት 8/2018 (ኢዜኣ) ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ ዝቐነየ መበል 39 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ተዛዚሙ።
እቲ ጉባኤ፤ “ምርግጋፅ ዘላቒ ቀረብን ድሕንነቱ ዝተሓለወ ሰርዓት ሓለዋ ፅሬትን፤ ንዕዉትነት ሽቶታት ኣጀንዳ 2063” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ እዩ እናተኻየደ ፀኒሑ።
እቶም መራሕቲ መበል 48 ስሩዕ ኣኼባ ቤት ምኽፍሪ ፈጻሚ ስራሕ ኣብ ዝዘተየሎም ኣጀንዳታት ዘትዮም።
ድሕንነትን ሓለዋ ፅሬትን ማይ፣ትግበራ ኣጀንዳ 2063ን ኣህጉራዊ ምትእስሳርን፣ማሕበራውን ኢኮኖሚያውን ልምዓት፣ልምዓት ሓይሊ ሰብ፣ትካላውን ፋይናንሳውን ሪፎርማት፣ዞባዊ ምሕዝነትን ኣፍሪካ ኣብ መድረኽ ዓለም ዘለዋ እጃምን ካብቶም ዝተዘተየሎም ኣጀንዳታት እዮም።
እቲ ንክልተ መዓልትታት ክካየድ ዝፀንሐ ጉባኤ ዝተፈላለዩ ውሳነታት ብምሕላፍ ተዛዚሙ።