ንብልፅግናን ምርግጋዕን ኣፍሪካ ኣብ ዓውዲ ማይ ኢንቨስት ምግባር ይግባእ

ኣዲስ ኣበባ/ለካቲት 8/2018 (ኢዜኣ) ንብልፅግናን ምርግጋዕን ኣፍሪካ ኣብ ዓውዲ ማይ ብቆራፅነት ኢንቨስት ምግባር ከምዝግባእ ኣብ ሕብረት ኣፍሪካ ኮሚሽነር ኮሚሽን ግብርና፣ልምዓት ገጠር፣ብሉ ኢኮኖምን ዘላቒ ከባብን ሞሰስ ቪላካቲ ገሊፆም።
መበል 39 መበል ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ “ምርግጋፅ ዘላቒ ቀረብን ድሕንነቱ ዝተሓለወ ሰርዓት ሓለዋ ፅሬትን፤ ንዕዉትነት ሽቶታት ኣጀንዳ 2063” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ እናተኻየደ እዩ ዝርከብ።
ኮሚሽነር ሞሰስ ቪላካቲ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ማይን ሓለዋ ፅሬትን ንልምዓት ኣፍሪካን ስግግር ኢኮኖምን መሰረታዊ ጉዳያት እዮም።
ኣፍሪካ ኣብቲ ዓውዲ በቢ ዓመቱ ሕፅረት ገንዘብ ብቢልዮን ዝቑፀር ዶላር ከምዘለዋ ብምግላፅ፤ እዚ ድማ ዘላቒ ሽቶታት ልምዓት ንምዕዋትን ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ንምፅዋርን ዕንቅፋት ከምዝኾነ ሓቢሮም።
ነቲ ጉዳይ ትኹረት ብምሃብ መሪሕ ሓሳብ ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ እዚ ዓመት “ምርግጋፅ ዘላቒ ቀረብን ድሕንነቱ ዝተሓለወ ሰርዓት ሓለዋ ፅሬትን፤ ንዕዉትነት ሽቶታት ኣጀንዳ 2063” ተባሂሉ ምምራፁ ነዚ እዩ ኢሎም።
ኣብቲ ጉባኤ ንኢንቨስትመንት ድሉዋት ዝኾኑ ፕሮጀክትታት ከምዝቐረቡ ብምሕባር፤ እዚኣቶም ድማ ኣብ ዓመት ብርክት ዝበለ ቢልዮን ዶላር ዝበፅሕ ቃል ኪዳን ኢንቨስትመንት ከምዝተረኸበሎም ኣረዲኦም።
ሃገራት ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ዝፃወሩ ፕሮግራማት ማይ ንከዳልዋ ዝሕግዙ መምርሕታትን ከይዲ እቲ ኢንቨስትመንት ንምክትታል ዘኽእል መመዝገቢ ውፅኢትን ዕላዊ ከምዝተገበረ ተዛሪቦም።
ንብልፅግናን ምርግጋዕን ኣፍሪካ ኣብ ዓውዲ ማይ ብቆራፅነት ኢንቨስት ምግባር ከምዝግባእ እውን ገሊፆም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም