ኣብ ኣፍሪካ ቀረብ ማይን ዘላቒ ስርዓት ፅሬትን ኣብ ምርግጋፅ ትኹረት ምግባር ይግባእ-ፕሬዚዳንት ናሚቢያ

ኣዲስ ኣበባ/ለካቲት 8/2018 (ኢዜኣ) ኣብ ኣፍሪካ ቀረብ ማይን ዘላቒ ስርዓት ፅሬትን ኣብ ምርግጋፅ ትኹረት ምግባር ከምዝግባእ ፕሬዚዳንት ናሚቢያ ኔቱምቦ ናንዲ ንዳይቷ(ዶ/ር) ገሊፀን።
መበል 39 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ዋና መቐመጢ እቲ ሕብረት ዝኾነት ከተማ ኣዲስ ኣበባ “ምርግጋፅ ዘላቒ ቀረብ ማይን ድሕንነቱ ዝተሓለወ ስርዓት ኣተሓላልዋ ፅሬትን፤ ንዕዉትነት ሽቶታት ኣጀንዳ 2063” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ እናተኻየደ እዩ ዝርከብ።
ብምትሕብባር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካን ደቡብ ኣፍሪካን ዝተዳለወ መድረኽ ዘተ ኢንቨስትመንት ማይ ይካየድ ኣሎ።
ፕሬዚዳንት ናሚቢያ ኔቱምቦ ናንዲ ንዳይቷ(ዶ/ር) ኣብዚ እዋን ከምዝበልኦ፤ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ዝፃወር ቀረብ ማይን ዘላቒ ኣተሓላልዋ ፅሬትን ኣብ ኣፍሪካ ጋህዲ ንምግባር ብትኹረት ምስራሕ ይግባእ።
ፕሮግራም ኢንቨስትመንት ልምዓት ማይ ኣፍሪካን ኣብ ትሕቲ ኣጀንዳ ልምዓት ማይ ውሕመ ዘሎ ትልሚ ኢንቨስትመንትን ውፅኢታዊ ብዝኾነ መንገዲ ተግባራዊ ምግባር ይግባእ ኢለን።
ነዚ ድማ ፖለቲካዊ ቆራፅነትን ኣብቲ ኢንቨስትመንት ዘሎ ክፍተት ንምምላእ ሃፍቲ ምትእኽኻብን ወሳኒ ከምዝኾነ ሓቢረን።
ንኹሉ ዜጋ ቀረብ ሽቶ ምርግጋፅ ዘላቒ ልምዓት ማይን ዘላቒ ስርዓት ሓለዋ ፅሬትን ንምዕዋት ከምኡ እውን ንክብሪ ማሕበረሰብና፣ጥዕናን ድሕንነትን ህዝቢ ወሳኒ ዝኾኑ ኣገልግሎታት ፅሬት ንምምሕያሽ ምትጋህ ከምዝግባእ ተዛሪበን።

ናሚቢያ ዝተዋደደ ትልሚ፣ተሳትፎ ማሕበረሰብን ሃገራዊ ሽቶታት 2030 መሰረት ዝገበረ “ብሄራዊ ፖሊሲ ቀረብን ፅሬትን ማይ” ከምዘፅደቐት ኣረዲአን።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም