እንግሊዝ ምስ ሃገራት ኣፍሪካ ዘለዋ ምትሕብባር ምጥንኻር ዘኽእል ሓዱሽ ስልቲ ተግባራዊ ገይራ - ኢዜአ ትግርኛ
እንግሊዝ ምስ ሃገራት ኣፍሪካ ዘለዋ ምትሕብባር ምጥንኻር ዘኽእል ሓዱሽ ስልቲ ተግባራዊ ገይራ
ኣዲስ ኣበባ/ለካቲት 8/2018 (ኢዜኣ) እንግሊዝ ምስ ሃገራት ኣፍሪካ ዘለዋ ምትሕብባርን ሓባራዊ ተረባሕነትን ምጥንኻር ዘኽእል ሓዱሽ ስልቲ ተግባራዊ ከምዝገበረት ኣምባሳደር እንግሊዝ ኣብ ኢትዮጵያ ዳረን ዌልች ገሊፆም።
ኣምባሳደር እንግሊዝ ኣብ ኢትዮጵያ ዳረን ዌልች ንሚድያ ፐልስ ኦፍ ኣፍሪካ(POA) ከምዝበልዎ፤ እንግሊዝ ምስ ሃገራት ኣፍሪካ ሓባራዊ ተረባሕነት መሰረት ዝገበረ ዕሙቕ ምሕዝነት ምህናፅ ትደሊ እያ።
ጠንካራ ኣፍሪካ ምህላው ንልህቀት ኣህጉር ኣፍሪካ ጥራሕ ዘይኮነስ ምስ ኢንግሊዝ ንዝህልዋ ቀፃልነት ዘለዎ ዘላቒ ርክብን ሓባራዊ ተረባሕነትን ወሳኒ እዩ ኢሎም።
እንግሊዝ ምስ ኣህጉር ኣፍሪካ ዘለዋ ሓባራዊ ተረባሕነትን ምትሕብባርን ክጠናኸር ከምትደሊ እውን ተዛሪቦም።
ኣብ መበል 39 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ንምስታፍ ካብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ዓለም ዝመፁ ተሳተፍቲ ሽቶኦም ምስ ሕብረት ኣፍሪካ ዕሙቕ በዓል በዙሕ ወገን ምትሕብባር ንምፍጣር እዩ ኢሎም።
እንግሊዝ ንኣጀንዳ 2063 ሕብረት ኣፍሪካ ንምድጋፍ ምስ ሃገራት ኣፍሪካ ብቐረባ እናሰርሐት ከምዝኾነት ብምግላፅ፤ ናይ ነዊሕ እዋን ስትራቴጂካዊ ማዕቐፍ እታ ኣህጉር ሓቛፊ ዕቤትን ዘላቒ ልምዓትን ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
ምስ ኣፍሪካ ተግባራዊ ዝገበርናዮ ስልቲ ምትሕብባር ኣብ ዓለም ለኸ ጉዳያት እናዓበየ ንዝመፀ እጃም ኣፍሪካ ኣፍልጦ ዝህብን ንኣፍሪካ ተኮር ኢንሼቲቫት ደገፍ ዝገብርን እዩ ክብሉ እውን ኣረዲኦም።