ኢትዮጵያ ኣብ ዓለም ቅልጡፍ ዕቤት እናመዝገባ ካብ ዘለዋ ሃገራት እታ ሓንቲ እያ-ጄፍሪ ሳክስ (ፕ/ር) - ኢዜአ ትግርኛ
ኢትዮጵያ ኣብ ዓለም ቅልጡፍ ዕቤት እናመዝገባ ካብ ዘለዋ ሃገራት እታ ሓንቲ እያ-ጄፍሪ ሳክስ (ፕ/ር)
ኣዲስ ኣበባ/ለካቲት 8/2018 (ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ኣብ ዓለም ቅልጡፍ ዕቤት እናመዝገባ ካብ ዝርከባ ሃገራት እታ ሓንቲ ከምዝኾነት ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግሥትታት ፕሬዚዳንት ጥምረት መፍትሒ ዘላቒ ልምዓት ጄፍሪ ሳክስ (ፕ/ር) ገሊፆም።
ጄፍሪ ሳክስ (ፕ/ር) ምስ ኢዜኣ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት፤ ዕቤት ኢትዮጵያ ብጭቡጥ ንምርዳእ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ካልኦ ከባብታት እታ ሃገርን ዝተርኣዩ ኢኮኖሚያዊ ለውጥታት ምዕዛብ እኹል እዩ ኢሎም።
በቢ ዓመቱ ኣብ ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ንምስታፍ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝመፅሉ እዋን ኣብ ኩሎም ዓውድታት ልዑል ዝኾነ ለውጥታት ልምዓትን ዕቤትን ከምዝተዓዘቡ ተዛሪቦም።
ነዚ ድማ እቲ መመሓሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ልዑል ኣስተዋፅኦ ከምዘበርከተ ኣረዲኦም።
ኢትዮጵያ ልዑል ዕቑር ዓቕሚ ሓይሊ ፀሓይ፣ንፋስን ጂኦተርማልን ከምዘለዋ ብምገላፅ፤ እዚ ድማ ብኣግባቡ እናተጠቐመትሉ ከምዝኾነት ገሊፆም።
ብፍላይ ድማ ኣብ ከባብታት ገጠር ዝነብሩ ሓረስቶት ተጠቀምቲ ተሓዳሲ ሓይሊ ከምዝኾኑ ብኣካል ምዕዛቦም ፀሪሖም።
እዚ ድማ መፍረያይነት እቲ ሓረስታይ ካብ ምዕባይ ብተወሳኺ ብርኪ መነባብርኡ እናመሓየሸ እዩ ዝርከብ ኢሎም።
ኣብ ዓውዲ ግብርና ኢትዮጵያ ተመዝግቦ ዘላ ውፅኢት ዝነኣድ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ብፍላይ ድማ ኣብ ልምዓት ስርናይ ዝተመዝገበ ዓወት እታ ሃገር ዓርሳ ካብ ምኽኣል ብተወሳኺ ንካልኦት እውን ምትራፍ ከምትኽእል መርኣያ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
ኣህጉራዊ ልውውጥ ንግድን ዓበይቲ ፕሮጀክትታትን ንምዕዋት ኣብ ስራሕቲ ልምዓት መንገዲ፣ባቡርን መፈልፈሊ ሓይልን ተኣሳሲረን ክሰርሓ ከምዘለወን ምኽረ ሓሳቦም ሂቦም።