መንግሥቲ ፌዴራል ተመዛበልቲ ኣብ ምምላስ ካብ መጀመርታ ጀሚሩ ተቓውሞ ነይርዎ ኣይፈልጥን-ሌ/ጀነራል ፃድቃን ገብረ ትንሳኤ

ኣዲስ ኣበባ/ለካቲት 8/2018 (ኢዜኣ) መንግሥቲ ፌዴራል ተመዛበልቲ ኣብ ምምላስ ካብ መጀመርታ ጀሚሩ ተቓውሞ ነይርዎ ኣይፈልጥን ክብሉ ነበር ኢታማዦር ሹም ሰራዊት ምክልኻል ፌዴሪኢ ሌ/ጀነራል ፃድቃን ገብረ ትንሳኤ ገሊፆም።
“ሰላም ንህዝብና፣ለውጢ ንመፃኢ ተስፋና”ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ መድረኽ ምኽክር ደለይቲ ለውጢ ትግራይ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ተኻይዱ።
ኣብቲ ምንቅስቓስ ደለይቲ ለውጢ ትግራይ ዘዳለዎ መድረኽ፤ ተደራደርቲ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶሪያ ዝኾኑ ነበር ኢታማዦር ሹም ሓይልታት ሰራዊት ፌዴሪኢ ሌ/ጀነራል ፃድቃን ገ/ትንሳኤን ኣሰፋ ኣብርሃን ሓዊሱ መራሕቲ ዝተፈላለዩ ውድባት ፖለቲካ ትግራይ፣ ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብን ፍሉጣት ፖለቲከኛታትን ተሳቲፎም።



ዋና መተሓባበሪ እቲ ምንቅስቓስ ነበር ኢታማዦር ሹም ሰራዊት ምክልኻል ፌዴሪኢን ሌ/ጀነራል ፃድቃን ገብረ ትንሳኤ ኣብዚ እዋን ካብ ተሳተፍቲ እቲ መድረኽ ንዝተልዓሉ ሕቶታት ኣብ ዝሃብዎ መብራህርሂ፤ ተመዛበልቲ ንምምላስ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ እቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ዕጥቀይን ምምሕዳረይን ሒዘ ተዘይኣተኹ ብዝብል ምኽንያት ክሳብ ሕዚ ክሳኻዕ ኣይከኣለን ኢሎም።
ምስ ፌዴራል መንግሥቲ ዋላ ኳ ጉዳይ ፖለቲካን ፀጥታን ኣብ ከይዲ ብዝርርብ ንክፍታሕን ሰብኣዊ መሰል እቶም ተመዛበልቲ ቀዳምነት ንክወሃቦ ተስማዕሚዖም ከምዝነበሩ ብምዝኽኻር፤ እቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ግና ዕንቅፋት ከምዝኾነ ሓቢሮም።
ኣብዚ መዳይ መንግሥቲ ፌዴራል ተመዛበልቲ ኣብ ምምላስ ካብ መጀመርታ ጀሚሩ ተቓውሞ ከምዘይነበሮ ኣረዲኦም።
ዝኾነ ኣብ ወልቃይት ይኹን ካሊእ ክፋል ትግራይ ዘሎ ህዝቢ ኣመሓዳሪኡ ባዕሉ ክመርፅ ከምዘለዎ እውን ሓቢሮም።
ኣብ ቀረባ እዋን እውን እቶም ተመዛበልቲ ንምምላስን ምስቲ ናይቲ ካበቢ ምምሕዳር ዝርርብ ንምግባርን ናብ ሑመራ ልኡኽ ፌዴራል መንግሥቲ ከይዱ ከምዝነበረ ብምዝኽኻር፤ እቲ ናይ ትግራይ ግዝያዊ ምምሕዳር ግና ብመግለፂ ንሕና ዘይንፈልጦ ምምላስ ተመዛበልቲ ኣይንቕበሎን ከምዝበለ ኣዘኻኪሮም።
ኣብ ትግራይ ዘሎ ግዝያዊ ምምሕዳር ተመዛበልቲ ንምምላስ ኣብ ዝግበር ምንቅስቓስ ክሳተፍን ክተሓባበርን ከምዘይደልን ዝግበረሉ ፃውዒት እውን ከምዘይቕበሎን እውን ኣብሪሆም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም