ንህዝብና ክንብል ምስ መንግሥቲ ፌዴራል ምስራሕ ግድን እዩ-ኣይተ ኣሰፋ ኣብርሃ - ኢዜአ ትግርኛ
ንህዝብና ክንብል ምስ መንግሥቲ ፌዴራል ምስራሕ ግድን እዩ-ኣይተ ኣሰፋ ኣብርሃ
ኣዲስ ኣበባ/ለካቲት 7/2018(ኢዜኣ) ንህዝብና ክንብል ምስ መንግሥቲ ፌዴራል ምስራሕ ግድን እዩ ክብሉ ኣባል መሪሕነት ምንቅስቓስ ደለይቲ ለውጢ ትግራይ ኣይተ ኣሰፋ ኣብርሃ ተዛሪቦም።
“ሰላም ንህዝብና፣ለውጢ ንመፃኢ ተስፋና”ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ መድረኽ ምኽክር ደለይቲ ለውጢ ትግራይ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣሎ።
ምንቅስቓስ ደለይቲ ለውጢ ትግራይ ውድባት ዓረና ንልኣላውነትን ዲሞክራስን፣ትንሳኤ 70 እንደርታ፣ ስምረትን ባይቶናን ዝሓቖፈ እዩ።
ኣባል ላዕለዋይ መሪሕነት እቲ ምንቅስቓስን ተደራዳሪ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶሪያን ኣይተ ኣሰፋ ኣብርሃ ኣብዚ መድረኽ ተረኺቦም ኣብ ዘቕረብዎ መዛተዪ ፅሑፍ ከምዝበልዎ፤ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶሪያ ኣብ ኣፀጋምን መጨነቕን ኩነታት ኮይንና ኢና ፈሪምናዮ ክብሉ ኣዘኻኺሮም።
ፕሪቶሪያ ሰዓርን ተስዓርን ዘይነበሮ ብሓባርን ብሰላማዊ መንገድን ንምስራሕ ዝተስማዕማዕናሉ ዕድል እዩ ኢሎም።
ኣብ ትግራይ ዝተፈጠረ ፖለቲካዊ ክፍፍል ኣብ መንጎ ትግራይ ንኹሉ ዝሓቖፈት ትኹንን ሓቛፊ ምምሕዳር ይመስረትን ዝብልን ትግራይ ናተይ ጥራሕ እያ ዝብል ፀቢብን ዓሌታውን ጉጅለን ዝተፈጠረ ኣፈላላይ እዩ ኢሎም።
እዚ ፀቢብን ዓሌታውን ጉጅለ ምስ ፀላኢ ኢትዮጵያን ትግራይን ዝኾነ ሻዕብያ ተሰሊፉ ኣንፃር ፕሪቶሪያን ሕገ መንግሥትን ይንቀሳቐስ ከምዘሎ እውን ሓቢሮም።
ልዕሊ ሻዕብያ ፀላኢ ህዝቢ ትግራይ ከምዘየለ ብምግላፅ፤ ፕሪቶሪያ ምስተፈረመ ህዝቢ ትግራይ ዘየጥፋእኹ ተኾሊፈ ምስ ዝበለ ሓይሊ ሻዕብያ ምስላፍ ባንዳነት ከምዝኾነ ገሊፆም።
ስለዚ ህዝቢ ትግራይ ካብ ካልኣይ ጥፍኣት ንምድሓን ካብቲ ፀቢብን ድሑርን ጉጅለ ብምልቓቕ ኣንፃር ኲናት ጠጠው ንክብል ብሰላማዊ መንገዲ ምቅላስ ከምዝግባእ ብምሕባር፤ ኣብ ትግራይ መረፃ ተኻይዱ ስሩዕን ሕጋውን መንግሥቲ ንክህሉ ምስራሕ ቀንዲ ዕላማና እዩ ኢሎም።
ኢትዮጵያ ሃገርና እያ፣ መንግሥቲ ፌዴራል እውን መንግሥትና እዩ ዝበሉ ኣይተ ኣሰፋ ኣብርሃ፤ ስለዚ ንህዝብና እንትንብል ምስ መንግሥቲ ፌዴራል ምስራሕ ግድን እዩ፤ ፕሪቶሪያ እውን ንሱ እዩ ዘገድደና ክብሉ ኣረዲኦም።
ኣብቲ መድረኽ፤ ተደራደርቲ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶሪያ ዝኾኑ ነበር ኢታማዦር ሹም ሓይልታት ሰራዊት ፌዴሪኢ ሌ/ጀነራል ፃድቃን ገ/ትንሳኤን ኣሰፋ ኣብርሃን ሓዊሱ መራሕቲ ዝተፈላለዩ ውድባት ፖለቲካ ትግራይ፣ ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብን ፍሉጣት ፖለቲከኛታትን ይሳተፉ ኣለዉ።