መድረኽ ምኽክር ደለይቲ ለውጢ ትግራይ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣሎ - ኢዜአ ትግርኛ
መድረኽ ምኽክር ደለይቲ ለውጢ ትግራይ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣሎ
ኣዲስ ኣበባ/ለካቲት 7/2018(ኢዜኣ) መድረኽ ምኽክር ደለይቲ ለውጢ ትግራይ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣሎ።
እቲ “ሰላም ንህዝብና፣ለውጢ ንመፃኢ ተስፋና”ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ዝካየድ ዘሎ መድረኽ፤ ብምትሕብባር ምንቅስቓስ ደለይቲ ለውጢ ትግራይን ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባን ዝተዳለወ እዩ።
ምንቅስቓስ ደለይቲ ለውጢ ትግራይ ውድባት ዓረና ንልኣላውነትን ዲሞክራስን፣ትንሳኤ 70 እንደርታ፣ ስምረትን ባይቶናን ዝሓቖፈ እዩ።
ኣብቲ መድረኽ፤ ተደራደርቲ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶሪያ ዝኾኑ ነበር ኢታማዦር ሹም ሓይልታት ሰራዊት ፌዴሪኢ ሌ/ጀነራል ፃድቃን ገ/ትንሳኤን ኣሰፋ ኣብርሃን ሓዊሱ መራሕቲ ዝተፈላለዩ ውድባት ፖለቲካ ትግራይ፣ ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብን ፍሉጣት ፖለቲከኛታትን ይሳተፉ ኣለዉ።