ካብ ፃውዒት ድርዕቶ ሽርሕን ፍሑስ ተንኮልን ድሑራት ጉጅለ ንጠንቀቕ-ሚኒስትር ኣብርሃም በላይ(ዶ/ር) - ኢዜአ ትግርኛ
ካብ ፃውዒት ድርዕቶ ሽርሕን ፍሑስ ተንኮልን ድሑራት ጉጅለ ንጠንቀቕ-ሚኒስትር ኣብርሃም በላይ(ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ/ለካቲት 6/2018(ኢዜኣ) ካብ ፃውዒት ድርዕቶ ሽርሕን ፍሑስ ተንኮልን ድሑራት ጉጅለ ንጠንቀቕ ክብሉ ሚኒስትር መስኖን ከባብታት ቆላን ኣብርሃም በላይ(ዶ/ር) ገሊፆም።
ሚኒስትር ኣብርሃም በላይ(ዶ/ር) ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ኣብዚ ቕነ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ብዘጋጠመ ከቢድ ፀገም ዝጠፍአ ህዝብን ንብረትን ቀንዲ ተሓተቲ ክኾኑን ክኽሕሱን ኣብ ክንዲ ፃዕሪ ምግባር ሕዚ እውን ህዝብና ናብ ዓፀባን ፀበባን ከእትዉ ቑልዒ ሓዊ ክፅሕትሩ ንዕዘብ ኣለና ኢሎም።
“ከም ቀደም ይመስለክን ውሕጅ ይወስደክን!” ዝበሉ እቶም ሚኒስትር፤ ሎሚ ዝዕሾ መንእሰይ ፈፂሙ ኣይክህሉን፤ ብልሙድ ሽርሒ ጉጅለ ድሕረት ህዝቡን መፃኢ ህይወቱን ናብ ፀበባ ዘእቱ መንእሰይ ኣይክህሉን ክብሉ ሓቢሮም።
ድጉል ድልየቶም ንምምላእ ከም ምኽንያት ዝውዝዑዎ ዘለዉ “ብወገን ፌደራል መንግስቲ ኲናት ክኽፈት እዩ” ዝብል ዝምቡዕ ብዕራይ ወለደ ዝኾነ ፃዕዳ ሕሶት ምዃኑ ኩሉ ክፈልጦ ይግባእ ክብል ይፈቱ ክብሉ እውን ኣረዲኦም።
መንግስቲ ፌደራል ቅዱም ሕርያ ህዝብና ሰላም ምዃኑ ስለ ዝግንዘብ ሕዚ እውን ፈፂሙ ዝሓሰቦ ይኹን ዝሃቀኖ ኲናት የለን ዝበሉ ሚኒስትር ኣብርሃም በላይ(ዶ/ር)፤ እኳ ዳኣስ ፍፁም ሰላምን ድሕንነትን ህዝብና ኣብ ምርግጋፅ ልዝብ ዘቐድም፣ልምዓትን ዕብየትን ህዝብና ንምኽዕባት ኣድላይ ዝበሃል ኩሉ ንምግባር ዘይማታእ ቅዋም እዩ ዘለዎ ኢሎም።
ይኹን እምበር ህዝቢ እንተተረጋጊዑ፣ ፍፁም ሰላም እንተሰፊኑ ተሓታትነት እንትመፅእ ዝድንግፁ ሓይልታት፣ ፀረ-ጕሒላ ጥንኩር ሕጊ እንትህሉ ኢዶም ኣብ ብዙሕ ዝጠልቀየ ውልቀ-ሰባት ዘለዎም መማረፂ ዂናት ምስዋር ከምዝኾን ብግልፂ ይረኣይ ከምዘሎ ኣብሪሆም።
ነዚ ከምዚ ዝኣምሰለ ፍሑስ ተንኮል ድማ ህዝብና ተረዲእኻ፣ተረጋጊዕኻ ንቡር ናብራኻ ክትገብርን መንእሰይ ትግራይ እውን እምቢ ንዂናት ኢልካ ብስኽነት ኣብ ዕዮ ልምዓትካ ክትውዕልን ይግባእ ክብሉ ገሊፆም።
ኩሉ ግዱስ ትግራዋይ ንብዓት ኣደ ትግራይ ይኣክል፣ ህፃናትን መናእሰይን ኣብ ትምህርቲ፣ ምርምርን ስራሕቲ ልምዓትን ክውዕሉ እምበር ፎቖዶ ዱርን በዓትን ፋሕ-ጭንግራሕ ክብሉ ክፈቅድ ከምዘይብሉ ብምግላፅ፤ ዝሓለፈ ይኣክል፣ሕርያና ሰላም እዩ ኢልካ ብዕቱብ ሞግት ክብሉ ሓቢሮም።
መንግሥቲ ፌደራል እውን ሰላም ከይዝረግ ኣብ ጎንኻ ምዃኑ ብሙሉእ ልቢ ከረጋግፀልካ ይፎቱ ክብሉ እውን መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም።