ቀዳማይ ሚኒስትር ሩዋንዳ ጀስቲን ንስንጂዩማዋ (ዶ/ር) ኣብ መበል 39 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ንምስታፍ ኣዲስ ኣበባ ኣትዮም - ኢዜአ ትግርኛ
ቀዳማይ ሚኒስትር ሩዋንዳ ጀስቲን ንስንጂዩማዋ (ዶ/ር) ኣብ መበል 39 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ንምስታፍ ኣዲስ ኣበባ ኣትዮም
ኣዲስ ኣበባ/ለካቲት 6/2018(ኢዜኣ) ቀዳማይ ሚኒስትር ሩዋንዳ ጀስቲን ንስንጂዩማዋ (ዶ/ር) ኣብ መበል 39 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ንምስታፍ ኣዲስ ኣበባ ኣትዮም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ እንትበፅሑ ሚኒስትር ሰላም መሐመድ እድሪስን ሚኒስትር ዲኤታ ጉዳይ ወፃኢ ኣምባሳደር ብርሃኑ ፀጋዬን ኣቀባብላ ገይረምሎም።
መበል 39 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ “ምርግጋፅ ዘላቒ ቀረብን ድሕንነቱ ዝተሓለወ ስርዓት ኣተሓላልዋ ፅሬትን ማይ፤ ንዕዉትነት ኣጀንዳ 2063” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ፅባሕን ድሕሪ ፅባሕን ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ እዩ።
ስለዝኾነ ድማ ኣብቲ ጉባኤ ዝሳተፉ መራሕቲ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪካ ኣዲስ ኣበባ እናኣተዉ እዮም ዝርከቡ።