ዕቤት ኣህጉርና ንምቅልጣፍ ብምትሕብባር ምስራሕ ቁልፊ ጉዳይ እዩ-ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ስላሴ

ኣዲስ ኣበባ/ለካቲት 6/2018 (ኢዜኣ) ዕቤት ኣህጉርና ኣፍሪካ ንምቅልጣፍ ዝተዋደደ ፃዕሪ ምግባር ይግባእ ክብሉ ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ታዬ ኣፅቀ ስላሴ ገሊፆም።
መበል 35 ስሩዕ ጉባኤ መድረኽ ግምገማ መሓዛ ኣፍሪካ ተኻይዱ።



ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ታዬ ኣፅቀ ስላሴ እውን ኣብቲ መድረኽ መደረ ገይሮም።
ኣብ መደረኦም እውን፤ ድሌታት ልምዓትን ሰናይ ምምሕዳርን ኣፍሪካ ኣብ ሽቶ ንምብፃሕ ብኣፍሪካውያን ዝምራሕ ስርዓት ምምሕዳር ኣድላይ ከምዝኾነ ሓቢሮም።
ጉዕዞ ዕቤት ኣፍሪካ ንምቅልጣፍ እቶም ሽቶታት ንምዕዋት ዝተዋደደ ሓባራዊ ፃዕሪ ቁልፊ ጉዳይ እዩ ኢሎም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም