ፕሬዚዳንት ደቡብ ሱዳን ሳልቫኪር ማያርዲት ኣብ መበል 39 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ንምስታፍ ኣዲስ ኣበባ ኣትዮም

ኣዲስ ኣበባ/ለካቲት 6/2018(ኢዜኣ) ፕሬዚዳንት ደቡብ ሱዳን ሳልቫኪር ማያርዲት ኣብ መበል 39 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ንምስታፍ ኣዲስ ኣበባ ኣትዮም።
እቶም ፕሬዚዳንት ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ እንትበፅሑ ሚኒስትር መዓድን ኢንጂነር ሃብታሙ ተገኝን ሚኒስትር ዲኤታ ጉዳይ ወፃኢ ኣምባሳደር ብርሃኑ ፀጋዬን ኣቀባብላ ገይረምሎም።
መበል 39 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ “ምርግጋፅ ዘላቒ ቀረብን ድሕንነቱ ዝተሓለወ ስርዓት ኣተሓላልዋ ፅሬትን ማይ፤ ንዕዉትነት ኣጀንዳ 2063” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ፅባሕን ድሕሪ ፅባሕን ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ እዩ።
ስለዝኾነ ድማ ኣብቲ ጉባኤ ዝሳተፉ መራሕቲ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪካ ኣዲስ ኣበባ እናኣተዉ እዮም ዝርከቡ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም