ፕሬዚዳንት ዛምቢያ ሐካይንዴ ሒቺሊማ ኣብ መበል 39 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ንምስታፍ ኣዲስ ኣበባ ኣትዮም - ኢዜአ ትግርኛ
ፕሬዚዳንት ዛምቢያ ሐካይንዴ ሒቺሊማ ኣብ መበል 39 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ንምስታፍ ኣዲስ ኣበባ ኣትዮም
ኣዲስ ኣበባ/ለካቲት 6/2018(ኢዜኣ) ፕሬዚዳንት ዛምቢያ ሐካይንዴ ሒቺሊማ ኣብ መበል 39 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ንምስታፍ ኣዲስ ኣበባ ኣትዮም።
እቶም ፕሬዚዳንት ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ እንትበፅሑ ሚኒስትር መዓድን ኢንጂነር ሃብታሙ ተገኝ ኣቀባብላ ገይረምሎም።
መበል 39 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ “ምርግጋፅ ዘላቒ ቀረብን ድሕንነቱ ዝተሓለወ ስርዓት ኣተሓላልዋ ፅሬትን ማይ፤ ንዕዉትነት ኣጀንዳ 2063” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ፅባሕን ድሕሪ ፅባሕን ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ እዩ።
ስለዝኾነ ድማ ኣብቲ ጉባኤ ዝሳተፉ መራሕቲ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪካ ኣዲስ ኣበባ እናኣተዉ እዮም ዝርከቡ።