ተሳተፍቲ ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ ኣማራፅታት ኢንቨስትመንት ንክዕዘቡ ፃውዒት ቀሪቡ - ኢዜአ ትግርኛ
ተሳተፍቲ ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ ኣማራፅታት ኢንቨስትመንት ንክዕዘቡ ፃውዒት ቀሪቡ
ኣዲስ ኣበባ/ለካቲት 6/2018(ኢዜኣ) ተሳተፍቲ መበል 39 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ ኣማራፅታት ኢንቨስትመንት ንክዕዘቡ ፃውዒት ቀሪቡ።
ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ኣጀንዳታት መመሓየሽታት ኢኮኖሚ ውሽጢ ሃገር፣ቀጥታ ኢንቨስትመንት ወፃኢ፣ዘበናዊ ፍሉይ ዞባታት ኢኮኖሚ፣ተበፃሕነት ዕዳጋታት ኣፍሪካን ዓለምን መሰረት ዝገበረ ስነ ምህዳር ከምዝተሃነፀ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣፍሊጡ።
ብስትራቴጂካውን ዘላቕነት ጠመተ ዝገበረን ኣመራርሓ ብምምራሕ ኣብ ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ተሓዳሲ ሓይሊ፣ምስፍሕፋሕ ዲጂታል መሰረተ ልምዓትን ዝተመሓየሸ ኣገልግሎት ኢትዮ ቴሌኮምን ሰፋሕቲ ስራሕቲ ከምዝተሳለጡ እውን ገሊፁ።
ብተወሳኺ እውን ዝሰልጠነ ሓይሊ ሰብ ኣብ ግብርና፣ኢ-ኮሜርስ፣መዓድንን ዞባዊ ሰንሰለት ፀጋን ኣብ ምጥንኻርን ሓባራዊ ብልፅግና ኣፍሪካ ኣብ ምዕባይን ዝተሳለጡ ስራሕቲ ከምዘቕረበት እውን ኣረዲኡ።
መበል 39 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ “ምርግጋፅ ዘላቒ ቀረብን ድሕንነቱ ዝተሓለወ ስርዓት ኣተሓላልዋ ፅሬትን ማይ፤ ንዕዉትነት ኣጀንዳ 2063” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ፅባሕን ድሕሪ ፅባሕን ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ እዩ።