ሕብረት ኣፍሪካን ውድብ ሕቡራት መንግሥትታትን ኣብ ኩለ መዳያዊ ኣጀንዳታት ዘለዎም ምሕዝነት ንምጥንኻር ቆራፃት እዮም - ኢዜአ ትግርኛ
ሕብረት ኣፍሪካን ውድብ ሕቡራት መንግሥትታትን ኣብ ኩለ መዳያዊ ኣጀንዳታት ዘለዎም ምሕዝነት ንምጥንኻር ቆራፃት እዮም
ኣዲስ ኣበባ/ለካቲት 6/2018(ኢዜኣ) ሕብረት ኣፍሪካን ውድብ ሕቡራት መንግሥትታትን ውክልና ኣፍሪካ ኣብ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ውሕመ ሓዊሱ ኣብ ኩለ መዳያዊ ኣጀንዳታት ዘለዎም ምትሕብባር ኣጠናኺሮም ከምዝቕፅልሉ ገሊፆም።
መበል 39 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ካብ 7 ክሳብ 8 ለካቲት 2018 ዓ/መ ኣብ ዋና መቐመጢ እቲ ሕብረት ዝኾነት ከተማ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ እዩ።
ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ መሐሙድ ዓሊ ዩሱፍ ቅድሚ እቲ ጉባኤ ምስ ዋና ፀሓፊ ውድብ ሕቡራት መንግሥትታት ኣንቶኒዮ ጉቴሬዝ ዘትዮም።
እቲ ዘተ ኣብ ዞባዊ ሰላምን ድሕንነትን፣ዘላቒ ልምዓትን ኩለ መዳያዊ ትራንስፎርሜሽን ኢኮኖምን ዝጠመተ እዩ።
ኣቦ መንበሪ እቲ ኮሚሽን መሐሙድ ዓሊ ዩሱፍ፤ ምሕዝነት እቲ ሕብረትን ውድብ ሕቡራት መንግሥትታትን ተለዋዋጢ ኣብ ዝኾነ ኩነታት ዓለም ሰላም፣ድሕንነትን ዘላቒ ምሕዝነትን ንምርግጋፅ ወሳኒ እዩ ኢሎም።
ዋና ፀሓፊ ውድብ ሕቡራት መንግሥትታት ኣንቶኒዮ ጉቴሬዝ ብግደኦም፤ ሕብረት ኣፍሪካ ኩለ መዳያዊ ስትራቴጂካዊ መሓዛ ውድብ ሕቡራት መንግሥትታት ከምዝኾነን ኣፍሪካ ኣብ ሰላም፣ድሕንነትን ኩለ መዳያዊ ስርዓት ሪፎርምን ወሳኒ እጃም ከምዘለዋን ተዛሪቦም።
እቶም ሰብ መዚ እቲ ሕብረትን ውሕመን ስርዓት ፋይናንስ ዓለም ንክመሓየሽን ኣፍሪካ ፍትሓዊ ቀረብ ፋይናንስ ንክትረክብን ዝጀመርዎ ሓባራዊ ስራሕ ንምቕፃል ከምዝተስማዕምዑ ኢዜኣ ካብቲ ሕብረት ዝረኸቦ ሓበሬታ የመላኽት።