ኢትዮጵያ መብሰሪት ነፃነት፣ስልጣነን ብልፅግናን ኣፍሪካ ኮይና ክትቕፅል እያ-ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ

ኣዲስ ኣበባ/ለካቲት 6/2018(ኢዜኣ) ኢትዮጵያ መብሰሪት ነፃነት፣ስልጣነን ብልፅግናን ኣፍሪካ ኮይና ክትቕፅል እያ ክብሉ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም።
እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ኢትዮጵያ ኣሽሓት ዘበናት ቀዲማ ቀለም ስልጣነ ዘስመረት፣ጀግንነት ኣብ ጎቦታት ዝሓተመት፤ ሎሚ እውን ኣህጉራዊ ብልፅግና ኣዊጃ እናሰርሐት ዘላ፣ዓቕምን ገይፅን እቲ ኣህጉር እያ ኢሎም።
ሃገርና ኣዶ ቀዳሞት ስልጣነታትን ምድሪ ንባርነት ተቓሊሶም ዘሸነፉ ጠንካራተትን እያ ክብሉ እውን ሓቢሮም።



መበል 39 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ቀፀልቲ ክልተ መዓልትታት ኣብ ፅብቕቲ ከተማና ኣዲስ ኣበባ ከምዝካየድ እውን ኣረዲኦም።
ኣብቲ ጉባኤ ዝሳተፉ መራሕቲ ሃገራትን ጉጅለ ልኡኾምን ናብ ከተማናን ካልአይቲ ገዝኦምን እናኣተዉ ከምዝርከቡ ብምሕባር፤ ንሕና ኢትዮጵያውያን ብድሙቕ ኣቀባብላ ጋሻ እንኳዕ ደሓን መፃኹም ኢልና እናተቐበልናዮም ኢና ንርከብ ኢሎም።
ኣብቲ ጉባኤ፤ ፃዕርታትን ዓወትን ትማሊ እታ ኣህጉር ከምኡ እውን መፃኢ ብሩህ ተስፋ እታ ኣህጉር ከምዝዝተየሉ ገሊፆም።
ብተወሳኺ እውን ትግበራ ኣጀንዳ 2063 ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣህጉራዊ ኣጀንዳታት ከምዝዝተ ኣብራህሪሆም።



ኢትዮጵያ ዋና መቐመጢት እቲ ሕብረት ካብ ምዃን ብዝዘለለ ኣብ ትግበራ ዝተፈረሙን ዝተጀመሩን ኣህጉራዊ ኣጀንዳታት ሽማ ብተደጋጋሚ ዝለዓል መርኣያ ተግባር እያ ኢሎም።
እቲ ከም ዕንቍ እናደመቐት ኣብ ትርከብ ዋና ከተማ ኣፍሪካውያን ኣዲስ ኣበባ ዝካየድ ኣህጉራዊ ጉባኤ ዕዉት ንክኸውን እውን ሰናይ ትምኒቶም ገሊፆም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም