ኣብ ኣፍሪካ ውሕስና ጥዕና ንምርግጋፅ ዞባዊ ምትእስሳርን ኩለ መዳያዊ ምትሕብባርን ምጥንኻር ወሳኒ እዩ - ኢዜአ ትግርኛ
ኣብ ኣፍሪካ ውሕስና ጥዕና ንምርግጋፅ ዞባዊ ምትእስሳርን ኩለ መዳያዊ ምትሕብባርን ምጥንኻር ወሳኒ እዩ
ኣዲስ ኣበባ/ለካቲት 6/2018(ኢዜኣ) ኣብ ኣፍሪካ ውሕስና ጥዕና ንምርግጋፅ ዞባዊ ምትእስሳርን ኩለ መዳያዊ ምትሕብባርን ምጥንኻር ወሳኒ ከምዝኾነ ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር መቅደስ ዳባ ገሊፀን።
ማእኸል ምክልኻልን ምቁፅፃርን ሕማም ኣፍሪካ ምስ ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካን ኤጀንሲ ልምዓት 'አውዳ-ኔፓድ' ሕብረት ኣፍሪካን ብምትሕብባር ኣጀንዳ ውሕስናን ልኣላዊነትን ጥዕና ኣፍሪካ ምዕዋት ኣብ ዘኽእሉ ኣማራፅታት ፋይናንስ ዝጠመተ ዘተ ይሳለጥ ኣሎ።
ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር መቅደስ ዳባ ኣብዚ እዋን ከምዝበልኦ፤ ኣብ ኣፍሪካ ልኣላዊነት ጥዕና ምርግጋፅ ኣብ ዘኽእሉ ፖሊሲታት ክትትልን ስትራቴጂን ዝሓሹ ስራሕቲ ተሳሊጦም እዮም።
ኣፍሪካ ውሕስናን ልኣላዊነትን ጥዕናኣ ንምርግጋፅ ኣብ ወሳኒ ምዕራፍ ከምትርከብ ብምግላፅ፤ ሲዲሲ ኣፍሪካ ኣብ ጥዕና ሕብረትሰብ እታ ኣህጉር ፖለቲካዊ፣ስልታውን ቴክኒካውን ኣመራርሓ ንክህብ ብሕብረት ኣፍሪካ ዝተውሃቦ ውሳነ ነዚ ዘረጋግፅ እዩ ኢለን።
ተለዋዋጢ ኣብ ዝኾነ ዓለም ለኻዊ ኩነታት፣ተደጋጋሚ ለበዳ ኣብ ዘጋጥምሉን ደገፋት ወፃኢ ብዘይተሓሰበ ኩነታት እናቐነሱ ኣብ ዝመፅሉን ኣብታ ኣህጉር ኣብ ስራሕ እቲ ዓውዲ ፅልዋ ካብ ምሕዳር ብተወሳኺ ኣብ ደገፍ ወፃኢ ዘለና ፅግዕተኛነት ዘርኣየ ከምዝኾነ ተዛሪበን።
ስለዝኾነ ድማ ኣህጉራዊ ዓቕሚ ብምጥንኻር ዞባዊ ምትሕብባር ምስፋሕ፣ቴክኒክዊ ዓቕሚ ውሽጢ ሃገር ምጥንኻር፣ጠንካራ ምምሕዳር ምዝርጋሕ ንቀፃሊ ሓደጋታት ድሉው ንምዃን ወሰንቲ ከምዝኾኑ ኣረዲአን።
ነዚ ድማ ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካ ፍርያት መድሓኒትን ክትባትን ንምድጋፍ ዝለዓለ እጃም ከምዝህልዎ ገሊፀን።
ትልሚ ናብ ተግባር ምቕያር፣ትካላት ምጥንኻር፣ዞባዊ ዓቕሚ ምህናፅን ፍርያት ውሽጢ ሃገር ምዕባይን ግድን ዝኾነሉ እዋን ከምዝኾነ ዝገለፃ እተን ሚኒስትር፤ ውፅኢታውነት ፋይናንስን ልኣላዊነት ጥዕና ኣፍሪካን ምርግጋፅ ይግባእ ኢለን።
እቲ መድረኽ፤ ውሕስና ጥዕና ኣፍሪካን ዘላቒ ዘበነ ፋይናንስ ጥዕናን ንምርግጋፅ ዘለና ቆራፅነት ዘርኢ እዩ ክብላ እውን ተዛሪበን።
ኣብቲ መድረኽ፤ ዋና ዳይሬክተር ማእኸል ምክልኻልን ምቁፅፃርን ሕማም ኣፍሪካ ዶክተር ጄን ካሳይ፣ ፕሬዚዳንት ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካ ሲዲ ኦልታ(ዶ/ር)፣ዋና ፈፃሚት ስራሕ ኤጀንሲ ልምዓት ሕብረት ኣፍሪካ ናርዶስ በቀለ፣ሚኒስትራት ጥዕናን ፋይናንስን ሃገራት ኣፍሪካን መዳርግቲ ኣካላትን ይሳተፉ ኣለዉ።