ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ልምዓት ሃፍቲ ማይ ብዝተሳለጡ ስራሕቲ ኣብ ሽፋን ፅሩይ ዝስተ ማይ ልዑል ዕቤት ተመዝጊቡ እዩ - ኢዜአ ትግርኛ
ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ልምዓት ሃፍቲ ማይ ብዝተሳለጡ ስራሕቲ ኣብ ሽፋን ፅሩይ ዝስተ ማይ ልዑል ዕቤት ተመዝጊቡ እዩ
ኣዲስ ኣበባ/ለካቲት 6/2018(ኢዜኣ) ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ልምዓት ሃፍቲ ማይ ብዝተሳለጡ ስራሕቲ ኣብ ሽፋን ፅሩይ ዝስተ ማይ ልዑል ዕቤት ከምዝተመዝገበ ሚኒስቴር ማይን ኢነርጅን ገሊፁ።
መበል 48 ስሩዕ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ፈፃሚ ስራሕ ሕብረት ኣፍሪካ ትማልን ብቕድሚ ትማልን ንክልተ መዓልትታት ኣብ ዋና መቐመጢት እቲ ሕብረት ዝኾነት ከተማ ኣዲስ ኣበባ ተኻይዱ እዩ።
መበል 39 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ እውን “ምርግጋፅ ዘላቒ ቀረብን ድሕንነቱ ዝተሓለወ ስርዓት ኣተሓላልዋ ፅሬትን ማይ፤ ንዕዉትነት ኣጀንዳ 2063” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ፅባሕን ድሕሪ ፅባሕን ክካየድ እዩ።
ኣማኻሪ ሚኒስትር ማይን ኢነርጅን ሞቱማ መቃሳ ከምዝበልዎ፤ መሪሕ ሓሳብ እቲ ሕብረት ኣብ ድሕንነትን ኣተሓላልዋ ፅሬትን ማይ ኣፍሪካ ትኹረት ምግባሩ ንዕዉትነት ልምዓት ኢትዮጵያ ዓብይ ዓቕሚ ዝኸውን እዩ።
ሃገራት ኣፍሪካ እውን ድሕንነቱ ዝተሓለወ ዘተኣማምን መሰረተ ልምዓት ማይ ብምህናፅ ኩለ መዳያዊ ተረባሕነት ዜጋታት እታ ኣህጉር ንምርግጋፅ ብምትሕብባር ክሰርሓ ኣለወን ኢሎም።
ኣብዚ መዳይ ኢትዮጵያ ቀረብ ፅሩይ ዝስተ ማይ ዜጋታት ካብ ምምሕያሽ ብተወሳኺ ንህዝብታት ጎረቤት ሃገራት እውን ተረባሕቲ እናገበረት ከምዝኾነት ሓቢሮም።
መሪሕ ሓሳብ እቲ ጉባኤ መራሕቲ እውን ኣህጉራዊ ስርዓት ማይን ሳኒቴሽንን ምምሕያሽ ዘኽእል ዕድል ኢንቨስትመንት ከምዝፈጥር ተዛሪቦም።
ኣብ ኢትዮጵያ ስርዓት ሃፍቲ ማይን ሳኒቴሽንን ንምምሕያሽ ዝተመዝገቡ ዓወታት ንምቕፃል ሰፋሕቲ መሰረተ ልምዓት እናተሳለጡ ከምዝርከቡን ነታ ኣህጉር እውን መርኣያ ዝኸውን ውፅኢት ከምዝተመዝገበን ኣረዲኦም።