ኣዲስ ኣበባ ኣጋይሻ ብሓደሽቲ ሰሓብቲ መስሕባትን ድሙቕ እንግዶትን እናተቐበለት እያ ትርከብ-ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ - ኢዜአ ትግርኛ
ኣዲስ ኣበባ ኣጋይሻ ብሓደሽቲ ሰሓብቲ መስሕባትን ድሙቕ እንግዶትን እናተቐበለት እያ ትርከብ-ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ
ኣዲስ ኣበባ/ለካቲት 5/2018(ኢዜኣ) ኣዲስ ኣበባ ኣጋይሻ ብሓደሽቲ ሰሓብቲ መስሕባትን ብምችው ኣገልግሎትን እንግዶትን ድሙቕ ኣቀባብላ እናገበረት ከምትርከብ ከንቲባ ምምሕዳር እታ ከተማ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን።
ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብ መበል 39 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ንምስታፍ ንዝመፁ ኣጋይሽ እታ ከተማ ዝገበረቶ ምድላው ብዝምልከት ኣብ ዝሃብኦ ገለፃ፤ ‘ኣሕዋት ኣፍሪካውያን መሰረት ሕብረት ኣፍሪካ፣ሳልሰይቲ ማእኸል ዲፕሎማሲን ካልአይቲ ሃገርኩምን ናብ ዝኾነት ኢትዮጵያን ኣዲስ ኣበባን እንኳዕ ብሰላም መፃእኹም’ክብላ መልእኽቲ ኣመሓላሊፈን።
ኣዲስ ኣበባ ንነበርታ ጥራሕ ዘይኮነስ ንጎብነይቲ ወፃኢ ሃገርን ብዝተፈላለየ ምኽንያት ንዝመፁ ኣጋይሽን ዘለዋ ምችው ኩነታት እናዓበየ ከምዝመፀ እውን ሓቢረን።
ቁፅሪ ናብ ኢትዮጵያን ኣዲስ ኣበባን ዝመፁ ዜጋታት ዝተፈላለያ ሃገራት እናወሰኸ ከምዝመፀ ብምሕባር፤ እዚ ድማ እታ ከተማ ዘለዋ ማእኸልነት ስሕበት ዘረጋገፀ እዩ ኢለን።
ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝሳለጡ ስራሕቲ ልምዓት ብፅሬትን ቅልጡፍን ጋህዲ እናኾኑ ከምዝመፁ ዝገለፃ እተን ከንቲባ፤ ተወዳዳሪነትን ተደላይነትን እታ ከተማ ኣብ ምዕባይ ዓብይ እጃም ከምዘለዎም ተዛሪበን።
ኣዲስ ኣበባ ብኹሉ ዓውዲ ኣድላይ ምድላው ብምግባር ኣብቲ ጉባኤ ንምስታፍ ንዝመፁ ኣጋይሽ ብኣተሓስባ ፓን ኣፍሪካኒዝም ድሙቕ ኣቀባብላን እንግዶትን እናገበረት እያ ትርከብ ኢለን።