ባንኪ ዓለም ኣብ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ዝተመዝገቡ ዓወታት ንምቕፃል ዝገብሮ ደገፍ ኣጠናኺሩ ክቕፅለሉ እዩ - ኢዜአ ትግርኛ
ባንኪ ዓለም ኣብ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ዝተመዝገቡ ዓወታት ንምቕፃል ዝገብሮ ደገፍ ኣጠናኺሩ ክቕፅለሉ እዩ
ኣዲስ ኣበባ/ለካቲት 5/2018 (ኢዜኣ) ባንኪ ዓለም ኣብ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ዝተመዝገቡ ዓወታት ንምቕፃል ዝገብሮ ደገፍ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅለሉ ማኔጂንግ ዳይሬክተር እቲ ባንኪ ኣና ቤርዴ ገሊፀን።
ሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሽዴ ምስ ማኔጂንግ ዳይሬክተር ባንኪ ዓለም ኣና ቤርዴን ምክትል ፕሬዚዳንት ዞባ ምብራቕን ደቡብን ኣፍሪካ እቲ ባንኪ ንዲያሜ ዲዮፕን ዘትዮም።
ኣብ ዘተኦም እውን፤ ኣብ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ዝምዝገቡ ዘለዉ ዓወታት ሓዊሱ ዘላቕን ሓቛፍን ልምዓትን ዝተረጋግዐ ማክሮ ኢኮኖሚን ንምርግጋፅን ቀዳምት ኣብ ዝወሃቦም ጉዳያትን ምዝታዮም ተገሊፁ።
ሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሽዴ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ኢትዮጵያ ብዓውዲ ውልቀ ዝምራሕ ኢኮኖሚ ንምህናፅ ትገብሮ ስግግር ንምቅልጣፍ ዝተፈላለዩ ፃዕርታት እናተገበሩ እዮም ዝርከቡ።
ስለዝኾነ ድማ ዕድላት ልምዓት ዓውዲ ውልቀ ንምስፋሕን ተግባራዊነት እቲ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ንምጥንኻርን ቀፃልነት ዘለዎ ምትሕብባር ባንኪ ዓለም ወሳኒ እዩ ኢሎም።
ማኔጂንግ ዳይሬክተር ባንኪ ዓለም ኣና ቤርዴ ብግደአን፤ ኣብ ምምሕዳር ፖሊሲ ገንዘብ፣ፅልዋ ናህሪ ዋጋ ኣብ ምቕናስ፣ሸርፊ ወፃኢ ኣብ ምዕባይ ከምኡ እውን ዕዳጋ ሸርፊ ወፃኢ ኣብ ምጥንኻር ዝተሳለጡ ስራሕቲ ንኢደን።
እቲ ባንኪ ኣብ ኢትዮጵያ ዓቕሚ ዓውዲ ውልቀን ኣናእሽተይን ማእኸለዎትን ኢንተርፕራይዛትን ብምዕባይ ውፅኢታውነት እቲ መመሓየሺ ኢኮኖሚን ቀዳምነት ዝወሃቦም ናይ ነዊሕ እዋን ዓውድታት ልምዓትን ንምርግጋፅ ዝገብሮ ደገፍ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅለሉ ኣረዲአን።
ክልቲኦም ወገናት ኣብ ፈጠራ ዕድል ስራሕ፣ልምዓት ኢነርጂ፣ሎጂስቲክስ፣ዲጂታል ትራንስፎርሜሽን፣ግብርና፣ ዓውዲ ውልቀ፣ልምዓት ኣናእሽተይን ማእኸለዎትን ኢንተርፕራይዛትን ፅልዋ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ንምፅዋርን ዘለዎም ምትሕብባር ንምጥንኻር ተስማዕሚዖም።
ብተወሳኺ እውን በቲ መመሓየሺ ኢኮኖሚ ዝተረኸቡ ውፅኢታት ንምቕፃል ዓቕሚ ትካላት ምጥንኻር ወሳኒ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ሓቛፊ ልምዓትን ዘላቒ ዕቤት ኢኮኖምን ንምርግጋፅ ቆራፅ ከምዝኾና ተዛሪበን።